bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Numbers 19
Numbers 19
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2
እቲ ኣግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጉድለትን ኣበርን ዜብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኣኤል ንገሮም።
3
እዚኣ ንኻህን ኣልኣዛር ሀብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ።
4
ካህን ኣልኣኣር ከአ ካብቲ ደማ በጻብዑ ይውሰድ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ድንኳን ምርኻብ ካብ ደማ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።
5
ነታ ላም ከአ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ የንድዳ፡ ቆርበታን ስጋአን ድማን ምስናይ ፈርሳ ይንደድ።
6
እቲ ኻህን ድማ ዕጨይቲ ጽሕድን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ይውሰድ፡ ናብ ማኣከል እቲ እታ ኣርሒ እትነደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዩ።
7
እቲ ኻህን ከአ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርቲ ናብ ሰፈር ይእቶ። እቲ ኻህን ከአ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
8
እቲ ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
9
ነቲ ሓሙኹስቲ እታ ኣርሒ ኸአ ንጹህ ዝኾነ ሰብ ይአክቦ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ድማ ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮ። እዚ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ንኣኼባ ደቂ እስራኤል ንዜንጽህ ማይ ኪኸውይ ይተሓሎ።
10
እቲ ሓመኹስቲ እታ ርሒ ዝአከበ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። እዚ ንደቂ እስራኣኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
11
ዝኾነ ዝሞተ ስጋ ሰብ ዝተንከየ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን።
12
ንሱ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ይንጻህ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪነጽህ እዩ። በታ ሳልሰይቲ ምዓልቲ እንተ ዘይነጽሄ ግና፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣይነጽህን እዩ።
13
ናይ ዝሞተ ሰብ ምውት ስጋ ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሄ፡ ንማሕበር እግዚኣብሄር ኣርከሰ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ትመንቆስ። እቲ ማይ ምንጻህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ፡ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።
14
ሰብ ኣብ ሓደ ድንኳን ምስ ዚመውት፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፡ ነፍስ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝአተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን።
15
ኩሉ ኽፋት፡ ኣብ ልዕሊኡ እተአሰረ መኽደን ዜብሉ ኣቕሓ ርኹስ ይኹን።
16
ኣብ መሮር ብሴፍ ንተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ዓጽሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን።
17
ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓሙኹሽቲ እቲ ዝሐረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱ፡ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ህያው ማይይ ይኽዐወሉ።
18
ሓደ ንጹህ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑን ኣብ ልዕሎ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ነፍሳትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓጽሚ ወይ ነቲ እተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝተንከየን ይንጸግ።
19
እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሳብዐይቲ መዓልትን ይንጸገሉ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ ኬንጽሆ ኣዩ። ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከአ ይተሓጸብ፡ ምሸት ድማ ኪነጽህ እዩ።
20
ዝረኸሰ ሰብ ግና፡ ዘይነጽሄ ኸአ፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ ኣሞ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኣብ ኻብ ማእከል እታ ማሕበር ትመንቆስ። ማይ ምንጻህ ስለ ዘይተነጽጎውን፡ ርኹስ እዩ።
21
እዚ ድማ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነሎም። እቲ ማይ ምንጻህ ዝተንከየ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
22
እቲ ርኹስ ዝተነከየ ዘበለ ኸአ ርኹስ እዩ፡ ዝተንከየቶ ነፍሲ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኽሰት ትኹን።
← Chapter 18
Chapter 20 →