bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Micah 6
Micah 6
Amharic Tigrinya 2011
1
እቲ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ስምዑ፡ ተንስእ ኣብ ቅድሚ ኣኽራን ፍረድ ንኹድኹዶታት ከአ ደሃይካ ኣስምዓዮም።
2
እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር አለዎ፡ ምስ እስራኤል ድማ ኪካታዕ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ ንስኻትኩምውን ጽኑዓት መሰረት ምድሪ፡ ነገር እግዚኣብሄር ስምዑ።
3
ኣታ ህዝበይ፡ እንታይ ገይረካ እየ፡ ብምንታይከ ኣድከምኩኻ፡ እስኪ መስክረለይ።
4
ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ኣውጺእካ፡ ካብ ቤት ባርነት ኣድሒነካ፡ ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከአ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡
5
ኣታ ህዝበይ፡ ጽድቂ እግዚኣብሄር ክትፈልጥሲ፡ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፡ በለዓም ወዲ ቤዖር ከአ ዝመለሰሉ፡ ካብ ሸጢም ክሳዕ ጊልጋል ዝኾነውን ዘክር።
6
ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፡ ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ፡ ዚሐርር መሰዋእትን ኣባትይ ሓደ ዓመትን ክቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመጽእ እየ፡
7
እግዚኣብሄርዶ በሽሓት ደዓውልን በእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፡ ስለ በደለይዶ በኹሪ ወደይ፡ ስለ ሓጢኣት ነፍሰይ ከአ ፍረ ኽርሰይዶ ኸውፊ እየ፡
8
ኣታ ሰብ ቅኑዕ ኽትገብር፡ ምሕረት ከአ ክትፈቱ፡ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኮነስ፡ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
9
ደሃይ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይጽውዓ፡ ጥበብ ከአ ንስምካ ኽትርኢ እያ። ነታ ሾቦጥን ነቲ ዘዳለዎን ሰምዑ።
10
እቲ መዛግብ ረሲእነትን ነቲ ጽዩፍ ጎደሎ ኤፋንዶ ገና ኣብ ቤት ረሲእ አሎ እዩ፡
11
ኣነዶ ብሚዛን ረሲእነትን በቲ ኸረጺት ጠባሪ መምዘንን ንጹህ ኪኸውን እየ፡
12
እቶም ሃብታማት ዓመጽ ዝመልኡ እዮም፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ሓሶት ይዛረቡ፡ ልሳኖምውን ኣብ ኣፎም መታለሊት እያ።
13
ስለዚ ኣነ ድማ ብሰሪ ሓጢኣትካ ኽሳዕ እትደክምን እትፈርስን ክወቕዓካ እየ።
14
ንስኻ ትበልዕ፡ ግናኸ ኣይትጸግብን፡ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ኪኸውን እዩ፡ ትሕዝ፡ ግናኸ ኣይተድሕንን፡ እቲ ዘድሐንካዮ ኸአ ንአደዳ ሰይፊ ኽምጥዋ እየ።
15
ንስኻ ትዘርእ፡ ግናኸ ኣይትዐጽን ፍረ ኣውልዕ ትጎድእ፡ ግናኸ ዘይቲ ኣይትልከን። ኩልዒ ወይኒ ትጸምቑ፡ ወይኒ ግና ኣይትሰትን።
16
ኣነ ንኣኻ መሰክሒ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸአ ንፉጻ ኽገብርሲ፡ ስርዓት ኣምርን ኩሉ ግብሪ ቤት ኣሃብን ይሕልው፡ ንስኻትኩም ድማ ብምኽሮም ትመላለሱ አሎኹም እሞ፡ ጸርፊ ህዝበይ ክትጾሩ ኢኹም።
← Chapter 5
Chapter 7 →