bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Matthew 19
Matthew 19
Amharic Tigrinya 2011
1
ኰነ ድማ ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ ። ካብ ገሊላ ነቒሉ ፡ ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ።
2
ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም።
3
ፈሪሳውያን ድማ ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ፡ ተፈቒዱሉ እዩ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ።
4
መሊሱ በሎም፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ገጠሮም ፡
5
ድማ ፡ ምእንቲዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን
6
ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ፡ ክልተ ኣይኰኑን ። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ፡ ሰብ ኣይፍለዮ ።
7
ንሳቶም ፡ ስለምንታይ ድኣ ሙሴ ። ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም ፡ ኪፈትሕዋ አዘዘ በልዎ ።
8
ንሱ ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን ፡ በሎም።
9
ኣነ ግና ፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ ፡እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
10
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን ፡ በልዎ ።
11
ንሱ ግና በሎም ፡እዚ ነገርዚ ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዂሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን ።
12
ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ አለዉ ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን ኣለዉ ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ።
13
ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም ፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ ፡እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም ።
14
የሱስ ግና ፤ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ፡ ሕደጉ ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም ፡ በለ።
15
ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ።
16
እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ ፡ ዎ መምህር ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር በለ ።
17
ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ ኣሎኻ እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና ፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ ።
18
ንሱ ፡ ኣየኖት በሎ። የሱስ ከኣ ፡ እኒ ኣይትቕተል ፡ ኣይትዘሙ ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር።
19
ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ ፡ በሎ ።
20
እቲ ጐበዝ ፡ እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ ኣሎኹ ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ በሎ።
21
የሱስ ከኣ ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ ፡ ኪድ ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ፡ ንዓ ሰዐበኒ ፡ በሎ ።
22
እቲ ጐበዝ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ ዘረባኡ ምስ ሰምዔ ፡ እናጐሀየ ኸደ።
23
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አለኹ።
24
ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
25
እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ ።
26
የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን ፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ ፡ በሎም ።
27
ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ፡ እንሆ ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና በሎ።
28
የሱስ በሎም ፤ ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
29
ስለ ስመይ ኢሉ ፡ ኣባይቲ ዀነ ፡ ወይስ ኣሕዋት ፡ ወይ ኣሓት ፡ ወይ ኣቦ ፡ ወይ ኣደ ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ውሉድ ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ ናይ ዘልኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ።
30
ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት ፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።
← Chapter 18
Chapter 20 →