bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Leviticus 21
Leviticus 21
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮን፡ ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ብገለ ምውት ካብ ህዝቡ ኣይርከስ፡
2
ብጀካ ብቐረባ ዘመዱ፡ በዲኡ ወይ በቦኡ ወይ ብወዱ ወይ ብጓሉ ወይ ብሓው፡
3
ድማ በታ ኣትቕርቦ ድንግል፡ ዘይትመርዐወት ሓብቱ፡ ብእኣ ይርከስ።
4
ኣብ መንጎ ህዝቡ ጐይታ ኣዩ፡ ከይገሀስ ርእሱ ኣየርክስ።
5
ርእሶም ላጽዮም ኣየርብሑ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕሞም ድማ ኣይላጽዩ፡ ኣብ ስጋኦም ከኣ ብጣሕ ኣይብጥሑ።
6
ንኣምላኾም ቅዱሳት ይኹኑ፡ ስም ኣምላኾምውን ኣየርከሱ። ንሳቶም ናይ እግዚኣብሄር መሰዋእቲ ሓዊ፡ እንጌራ ኣምላኾም፡ የቕርቡ እዮም እሞ፡ ስለዚ ቅዱሳት ይኹኑ።
7
ንኣምላኹ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ኣየእትው፡ ወይ ካብ ሰብኣያ እተፈትሔት ሰበይቲ ኣየእትው።
8
ንሱ እንጌራ ኣምላኽካ የቕርብ እዩ እሞ፡ ስለዚ ቀድሶ። ኣነ እግዚኣብሄር ዝቕድሰኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹን።
9
ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት፡ ንሳ ነቦኣ ኣርከሰት፡ ብሓዊ ትንደድ።
10
እቲ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ቕብኣት እተኻዕዎ፡ ቅዱስ ኣልባስ ኪለብስ ድማ እትቐደሰ፡ ኣብ ኣሕዋቱ ኸኣ ሊቀ ካህናት ዝኾነ፡ ንሱ ርእሱ ኣይቕላዕ፡ ክዳኑውን ኣይቕደድ።
11
ናብ ገለ ምውት ሰብ ድማ ኣይእቶ፡ በቦኡን በዲኡን ከኣ ኣይርከስ።
12
እቲ ኣኽሊል ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፡ ካብ መቕደስ ኣይውጻእ፡ መቕደስ ኣምላኽ ኸኣ ኣየርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣየ።
13
ንሱ ድማ ብድንግልናኣ ዘላ ሰበይቲ የእቱ።
14
ሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ።
15
ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ዘርኡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣየርክስ።
16
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
17
ንኣሮን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ብዝመጽእ ወለዶኦም ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጎደሎ ዘለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ።
18
ዝኾነ ሰብ ጎደሎ ዘለዎ፡ ዕውር ወይ ሓንካስ ወይ ጥፍሉሕ ኣፍንጫኡ ወይ ኣብ ኣካሉ ገለ ሓለፋ ዘለዎ፡
19
ወይ ስቡር እግሪ ወይ ስቡር ኢድ ዘለዎ ሰብ፡
20
ወይ ጎባጥ ወይ ድንኪ ወይ ዓይኑ ዝሐበለ ወይ ሻሕራም ወይ ዓባቕ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ።
21
ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጎደሎ ዘለዎ ዘበለ ሰብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ኬቕርብ ኣይቕረብ። ጎደሎ ኣለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ።
22
እንጌራ ኣምላኹ ኻብቲ ቅዱስ ቅዱሳንን ካብቲ ቅዱሳን ይብላዕ።
23
ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ጎደሎ ስለ ዘለዎ፡ መቓድሰይ ከየርክስ፡ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፡ ናብ መሰውኢ ከኣ ኣይቕረብ።
24
ሙሴ ድማ እዚ ንኣሮንን ንደቁን ንኹሎም ደቂ እስራኤልን ተዛረቦም።
← Chapter 20
Chapter 22 →