bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Judges 12
Judges 12
Amharic Tigrinya 2011
1
ሰብ ኤፍሬም ድማ ተአኪቦም ናብ ሰሜን ሐለፉ። ንይፍታሕ ከአ፡ እቲ ምስ ደቂ ዓሞን ክትዋጋእ ክትሐልፍ ከሎኻስ፡ ምሳኻ ክንከይድ ንኣና ዘይጸዋዕካና፡ ስለምንታይ ኢኻ፡ ቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኽነድ ኢና፡ በልዎ።
2
ይፍታሕ ድማ፡ ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ዓሞን ኣብ ብርቱዕ ምጽራር ከሎና፡ ምስ ጸዋዕኩኹም ከአ፡ ካብ ኢዶም ኣየድሐንኩምንን።
3
ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ርኤኹ ድማ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢደይ ገይረያ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ሐለፍኩ፡ እግዚኣብሄር ከአ ንኣታቶም ኣብ ኢደይ ሀበኒ። ስለምንታይከ ሎሚ ኽትዋግኡኒ ደየብኩም በሎም።
4
ይፍታሕ ድማ ንኹሎም ሰብ ጊልዓድ ኣኽቲቱ ምስ ኤፍሬም ተዋግኤ። ንሳቶም ከአ፡ ኣቱም ሰብ ጊልዓድ፡ ካብ ኤፍሬም ሀዲምኩም ኣብ ማእከል ኤፍሬምን ኣብ ማእከል ምናሴን ኢኹም ይብልዎም ነበሩ፡ እሞ፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ንሰብ ኤፍሬም ሰዐርዎም።
5
እቶም ጊልዓዳውያን ድማ ንኤፍሬማውያን መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐዙሎም። ኮነ ኸአ፡ ካብቶም ህዱማት ኤፍሬም፡ ኣሕልፋኒ፡ ምስ በሎም፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ድማ፡ ኢፍሬማዊ ዲኻ በልዎ። ንሱ ኸአ ኣይፋለይን፡ እንተ በለ፡
6
ንሳቶም ድማ፡ እስኪ ሺቦለት በል በልዎ። ንሱ ኸአ ከምኡ ኣቕኒዑ ምዝራብ ስለ ዘይከአለ፡ ሲቦለት በለ። ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐረድዎ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ወደቑ።
7
ይፍታሕ ድማ ንእስራኤል ሹዱሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕርቲ ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ሞተ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ጊልዓድ ከአ ተቐብረ።
8
ድሕሪኡ ኸአ ኣብጻን ብዓል ቤትልሄም ንእስራኤል ፈረደ።
9
ንሱ ሰላሳ ኣወዳት ነበርዎ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ንግዳም ኣመርዐወ፡ ነወዳቱ ድማ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ካብ ግዳም ኣእተውሎም፡ ንእስራኤል ከአ ሾብዓተ ዓመት ፈረደ።
10
ኢብጻን ድማ ሞተ፡ ኣብ ቤትልሄም ከአ ተቐብረ።
11
ብድሕሪኡ ኸአ ኤሎን ዛብሎናዊ ንእስራኤል ፈረደ፡ ንእስራኤል ዓሰርተ ዓመት ፈረደ።
12
ኤሎን ዛብሎናዊ ድማ ሞተ፡ ኣብ ኣያሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ተቐብረ።
13
ድሕሪኡ ድማ ዕብዶን፡ ወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ንእስራኤል ፈረደ።
14
ንሱ ኸአ ሰብዓ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንእስራኤል ድማ ሾሞንተ ዓመት ፈረደ።
15
ዓብዶን፡ ወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ከአ ሞተ፡ ኣብ ጴርዓቶን ምድሪ ኤፍሬም፡ ኣብ ከረን ኣማሊቃውያን ከአ ተቐብረ።
← Chapter 11
Chapter 13 →