bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Joshua 20
Joshua 20
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2
ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠ፡ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ኪሀድም እሞ፡ ካብ ፈዳይ ደም መዕቆቢ ኪኾኖኹም እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቆቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን።
3
ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠ፡ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ኪሀድም እሞ፡ ካብ ፈዳይ ደም መዕቆቢ ኪኾኖኹም እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቆቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን።
4
ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ይህደም፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸአ፡ እቲ ነገሩ ነቶም ዓበይቲ ኣታ ኸተማ እቲኣ ኺሰምዕዎ ይንገሮም። ናብታ ኸተማ ናባታቶም ይቀበልዎ፡ ምሳታቶም ዚነብረላ ቦታ ድማ ይሀብዎ።
5
ነቲ ብጻዩ፡ ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ፡ ከይፈለጠ ቐቲልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም እንተ ሰጎጎ፡ ነቲ ዝቐተላ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሀብዎ።
6
ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኽሳዕ ዚቐውም፡ እቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ተመሊሱ ናብ ከተማኡን ናብ ቤቱን፡ ናብታ ኻብኣ ዝሀደመላ ኸተማ፡ ይእቶ።
7
እምበኣርሲ ኣብ ጊሊላ ኣብ ከረን ንፍታሌም ቄዴስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ድማ ሴኬም፡ ኣብ ከረን ይሁዳ ኸአ ቂርያትኣርባ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ፈለዩ።
8
ካብ ነገድ ሮቤል ከአ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ ኣታ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጎልጎል ዘላ ራሞት፡ ካብ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ፈለዩ።
9
እተን ንኹሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ክሳዕ ዚብል፡ ብኢድ ፈዳይ ደም ከይመውትሲ፡ ኪሀድመለይ እተመደበ ኸተማታት እዚኣተን እየን።
← Chapter 19
Chapter 21 →