bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Joshua 18
Joshua 18
Amharic Tigrinya 2011
1
ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሺሎ ተአከበ፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ከአ ኣብኣ ተኸልዎ። እታ ሃገር ድማ ተገዝአትሎም።
2
ካብ ደቂ እስራኤል ሾብዓተ ነገድ ርስቶም ዘይተመቕሉ ተሪፎም ነበሩ።
3
እያሱ ኸአ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሀበኩም ምድሪ ኼድኩም፡ ንምውራሳ ኽሳዕ መአዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ፡
4
ከካብ ነገድኩም ሰለስተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ኣነ ኸአ ክልእኮም እየ፡ ተንሲኦም ድማ ነታ ሃገር ከይዶም ከከም ርስቶም ጽሒፎም፡ ናባይ ይምጽኡ።
5
ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ኸአ ይምቀልዋ: ይሁዳ ኣብ ዶቡ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍውን ኣብ ዶርም ብወገን ሰሜን ይቀመጡ።
6
ነታ ምድሪ ኸአ ንስኻትኩም ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ጽሒፍኩም፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ ኣነ ድማ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕጭ ከውድቐልኩም።
7
እቶም ሌዋውያን ግና፡ ርስቶም ክህነት እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልኩም ግደ የብልኩምን። ጋድን ሮቤልን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ርስቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለው።
8
እቶም ሰባት ድማ ተንሲኦም ከዱ፡ እያሱ ኸአ ነቶም ነታ ምድሪ ኽጽሕፍዋ ዝኸዱ፡ ኬድኩም ነታ ምድሪ እናዞርኩም ጽሓፍዋ፡ ናባይ ድማ ተመለሱ፡ ኣነ ኸአ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ከውድቐልኩም እየ፡ ኢሉ አዘዞም።
9
እቶም ሰባት ከአ ኸይዶም በታ ሃገር ሓለፉ፡ ከምተን ከተማታት ድማ ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ መቒሎም፡ ኣብ መጽሓፍ ጸሐዋ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ሺሎ ኸአ ናብ እያሱ መጹ።
10
እያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ኣውደቐሎም እሞ ኣብኡ እያሱ ነታ ሃገር ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ መቐሎም።
11
ንንገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶን ዕጭ ወጸሎም። ዶብ ዕጮም ከአ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ወጸሎም።
12
እቲ ዶቦም ብወገን ሰሜን ድማ ካብ ዮርዳኖስ እዩ፡ እቲ ዶብ ከአ ብሰሜናይ ጸግዒ ያሪኮ ደየበ፡ ነቲ ኸረን ድማ ብምዕራቡ ደዩቡ ናብ በረኻ ቤትኣዌን ይወጽእ።
13
ካብኡ ኸአ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብቲ ደቡባዊ ጸግዒ ሉዝ፡ ንሳ ኸአ ቤትኤል፡ ይሐልፍ። እቲ ዶብ ድማ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተይቲ ቤትሖሮን ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮትኣዳር ይወርድ።
14
እቲ ዶብ ድማ ቀጺሉ ኻብቲ ኣብ መንጽር ቬትሖሮን ብደቡቡ ዘሎ ኸረን ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያትበዓል፡ ንሳ ኸአ ቂርያትያዓሪም፡ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወጽእ። እዚ ወገን ምዕራቡ እዩ።
15
ብወገን ደቡብ ድማ ካብ ወሰን ቂርያትየዓሪም እዩ፡ እቲ ዶብ ከአ ንምዕራብ ኣቢሉ ይወጽእ፡ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይወጽእ።
16
እቲ ዶብ ከአ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንጽር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይወርድ፡ ንሱ ኸአ ንለሰ ረፋይም ኣብ ሰሜኑ እዩ። ድማ ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ጸግዒ ደቡብ ይቡሳውያን ይወርድ፡ ናብ ዔንሮጌል ከአ ይወርድ።
17
ወሲኹ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ዔንሽመሽ ይወጽእ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ወጺኡ ኸአ፡ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ።
18
ድማ ነቲ ኣብ መንጽር ጸግዒ ሰሜን ዓራባ ዘሎ ሓሊፉ፡ ናብ ዓራባ ይወርድ።
19
እቲ ዶብ ከአ ብጸግዒ ሰሜን ቤትሖግላ ይሐልፍ፡ ካብኣ እቲ ዶብ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ኣብ ደቡብ ወሰን ዮርዳኖስ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶቡ እዚ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ዶቡ ብዙርያኡ እዚ እዩ።
20
ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ እዚኣተን እየን፡ ያሪኮን ቤትሖግላን ኤሜቅቀጺጽን፡
21
ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ እዚኣተን እየን፡ ያሪኮን ቤትሖግላን ኤሜቅቀጺጽን፡
22
ቤትዓራባን ጸማራዮምን ቤትኤልን፡
23
ዓዊምን ጳራን ጵፕፍራን፡
24
ኬፋርዓሞናይን ዖፍኒን ገባዕን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
25
ጊብዖን ራማን ብኤሮትን፡
26
ሚጽጴን ኬፈራን ሞጻን፡
27
ሬቀምን ዮርጴኤልን ታራኣላን፡
28
ጼላን ኤሌፍን ይቡሲን፡ ንሳ ኸአ ዮርሳሌም እያ፡ ጊብዓትን ቂርያትን፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ።
← Chapter 17
Chapter 19 →