bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Joshua 12
Joshua 12
Amharic Tigrinya 2011
1
እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዐርዎም እም ምድሮም ከአ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብምብራቕ ጸሓይ፡ ካብ ርባ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኹሉ ጎልጎል ድማ ዝወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም፡
2
እቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ኻብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዐሮ ዔር፡ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ክሳዕ እታ ንደቂ ኣሞን እተዳውብ ርባ ያቦቅ ዚገዝእ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን።
3
ድማ እቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጎልጎል ክሳዕ ባሕሪ ጎልጎል፡ ንሱ ኸአ ንባሕሪ ጨው፡ ናብ መገዲ ቤት የሲሞት፡ ንደቡብ ድማ ኣብ እግሪ ጎቦታት ጲስጋ።
4
ድም ዶብ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ንሱ ኻብቶም ኣብ ኣሽታሮትን ኣብ ኣኤድሬዒን ዚቕመጥ ዝነበረ ተረፍ ራፋውያን እዩ።
5
ንሱ ኣብ ከረን ሄርሞንን ኣብ ሳልካን ኣብ ብዘሎ ባሳንን ክሳዕ ዶብ ገሹራውያንን ማዓካውያንን ኣብ ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ዶብ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን ይገዝእ ነበረ።
6
ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄርን ደቂ እስራኤልን ወቕዕዎም፡ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ድማ እታ ምድሮም ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ሀቦም።
7
እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፡ ኣብ ጎልጎል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ስዒር ዜደይብ መላጥ ከረን ዝነበሩ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ዝወቕዕዎም ነገስታት ኣብ ሃገር እዚኣቶም እዮም። እያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ ንርስቲ ሀቦም፡
8
ኣብ ኣኽራንን ኣብ ቁላን ኣብ ጎልጎልን ኣብ ጎቦታትን ኣብ በረኻን ኣብ ደቡብን ሔታውያን፡ ኣሞራውያን፡ ከነኣናውያን፡ ፈረዛውያን፡ ሃዋውያን፡ ይቡሳውያን ድማ፡
9
ንጉስ ያሪኮ ሓደ፡ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤትኤል ዘላ ዓይ ሓደ፡
10
ንጉስ ዮርሳሌም ሓደ፡ ንጉስ ኬብሮን ሓደ፡
11
ንጉስ ያርሙት ሓደ፡ ንጉስ ላኪሽ ሓደ፡
12
ንጉስ ዔግሎን ሓደ፡ ንጉስ ጌዘር ሓደ፡
13
ንጉስ ደቢር ሓደ፡ ንጉስ ጌደር ሓደ፡
14
ንጉስ ሖርማ ሓደ፡ ንጉስ ዓራድ ሓደ፡
15
ንጉስ ሊብና ሓደ፡ ንጉስ ዓዱላም ሓደ፡
16
ንጉስ ማቄዳ ሓደ፡ ንጉስ ቤትኤል ሓደ፡
17
ንጉስ ታጵኣ ሓደ፡ ንጉስ ሔፌር ሓደ፡
18
ንጉስ ኣፌቅ ሓደ፡ ንጉስ ላሻሮን ሓደ፡
19
ንጉስ ማዶን ሓደ፡ ንጉስ ሓጾር ሓደ፡
20
ኑስ ሺምሮንሜሮን ሓደ፡ ንጉስ ኣክሻፍ ሓደ፡
21
ንጉስ ታዓናክ ሓደ፡ ንጉስ መጊዶ ሓደ፡
22
ንጉስ ቀደሽ ሓደ፡ ንጉስ ዮቅነዓም ኣብ ቀርሜሎስ ሓደ፡
23
ንጉስ ዶር ኣብ በረኽቲ ዶር ሓደ፡ ንጉስ ጎየም ኣብ ጊልጋል ሓደ፡
24
ንጉስ ቲርጻ ሓደ። ኩሎም ሰላስን ሓደን ነገስታት እዮም።
← Chapter 11
Chapter 13 →