bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 29
Job 29
Amharic Tigrinya 2011
1
እዮብ መሊሱ ብምሰላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
2
አየ፡ ከም በተን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ከም በተን ኣምላኽ ዝሐለወኒ መዓልትታት እንተ ዝኸውን እሞ መን ምሀበኒ።
3
መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኪደምቕ ከሎ፡ ብብርሃኑውን ንጸልማት ክሐልፎ ኸሎኹ፡
4
ከምቲ ብዘመን ጒብዝናይ ዝነበርክዎ፡ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ድናኳነይ ኪዐርፍ ከሎ፡
5
እቲ ዂሉ ዚኽእል ምሳይ ኪነብር ከሎ፡ኅ ደቀይውን ኣብ ዙርያይ ኪቘሙ ኸለው፡
6
ስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሐጽብ ከሎኹ፡ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡ ከምተን መኦኣልትታት እቲኤን እሞ መን ምሀበኒ።
7
ኣብ ደገ ኸተማ ኽወጽእ፡ ኣብ ኣደባባይውን መንበረይ ክተክል ከሎኹ፡
8
መንእሰያት ርእዮምኒ ይሕብኡ፡ ሽማግሌታትውን ተንሲኦም ይቘሙ ነበሩ፡
9
መኳንንቲ ኸኣ ምዝራብ ይሐድጉ፡ ኣፎም ከኣ ብኢዶም ይኸድኑ ነበሩ።
10
ድምጺ መሳፍንቲ ተሐብኤ፡ መልሓሶምውን ኣብ ትንሓጎም ተጣበቐ።
11
ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ፡ ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒ፡ ዝረኣየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት።
12
ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ፡ ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒ፡ ዝረኣየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት።
13
ምርቓ እቶም ውጹዓት በጺሑኒ፡ ንልቢ መበለታትውን እልል ኣቢለዮ።
14
ንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒ። ፍትሔይ ከም ባርኖስን ዘውድን ነበረት።
15
ዓይኒ ንዝዖረ፡ እግሪውን ንዝሐንከሰ እዀኖ ነበርኩ።
16
ንድኻታትውን ኣቦኦም ነበርኩ፡ ነቲ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ኸኣ ነገሩ መርመርኩሉ።
17
ንምንጋጋ ዓማጺ ሰበርኩ፡ ነቲ ዝዘረፎ ድማ ካብ ኣስናኑ መንጠልክዎ።
18
ኣነ ሽዑ፡ ኣብ ቤተይ ክመውት፡ ንመዓልትታተይውን ከም ሑጻ ኸብዝሔን እየ፡
19
ሱረይ ናብ ማይ ኪዝርጋሕ፡ ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ኪሐድር እዩ።
20
ክብረይ ኣባይ ክትሕደስ፡ ቀስተይ ከኣ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ፡ በልኩ።
21
ንኣይ ጽን ኢሎም ይጽበዩ፡ ንምኽረይውን ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ።
22
ድሕሪ ዘረባይ መሊሶም ኣይተዛረቡን፡ ዘረባይ ኣብ ልዕሊኦም የንጠብጥብ ነበረ።
23
ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡ ከም ንዝናም ጽብሓት ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ነበሩ።
24
ክምስ ምስ በልክዎም፡ ኣይኣመኑንን፡ ንፍሽሕውነት ገጸይ ኬጸውግዎ ኣይከኣሉን።
25
መገዶም መርመርኩ እሞ ከም ሓለቓ ተቐመጥኩ፡ ኣብ ማእከል ሰራዊቱ ኸም ዚቕመጥ ንጉስ፡ ከምቲ ንሕዙናት ዜጸናንዕ እቕመጥ ነበርኩ።
← Chapter 28
Chapter 30 →