bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 23
Job 23
Amharic Tigrinya 2011
1
ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2
ሎሚውን ቊዝማይ ይተሃላለኽ ኣሎ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እህህታይ ትኸብድ ኣላ።
3
ኣበይ ከም ዝረኽቦ እንተ ዝፈልጥ እሞ፡ ናብ ዝፋኑ ንምብጻሕ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሀበኒ።
4
ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩ፡ ንኣፈይ ብመርትዒ ምመላእኩ።
5
ነቲ ዚመልሰለይ ቃላት ምፈለጥክዎ፡ እንታይ ከም ዚብለኒ ኸኣ መስተውዐልኩ ነይረ።
6
በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኺበኣሰኒ እዩ?ኣይፋል፡ ጽን ደኣ ምበለኒ እምበር።
7
ሽዑ እቲ ቕኑዕ ምስኡ ምመጐተ፡ አነውን ካብ ፈራድየይ ንሓዋሩ ምተናገፍኩ።
8
እንሆ፡ ንቕድሚት ኣቢለ እንተ ኸድኩ፡ ኣብኡ የሎን፡ ንድሕሪት እንተ ኸድኩውን፡ ኣይረኽቦን።
9
ኣብ ጸጋም እንተ ሰርሔ፡ ኣይርእዮን፡ ኣብ የማን እንተ ተሐብኤ ኸኣ፡ ኣይጥምቶን።
10
ንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ።
11
ኣእጋረይ ኣሰሩ ሕዘን፡ ተጠንቂቐውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን።
12
ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ መዝገበይ ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሐሎኽዎ።
13
ግናኸ ናቱ ሓሳብ ሓደ እዩ፡ መንከ ይኽልክሎ? ነፍሱ እትደልዮ እዩ ዚገብር።
14
ነቲ እተመደበለይ ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዙሕ ከምዚ ዘመሰለ ምስኡ ኣሎ።
15
ስለዚ ኣብ ቅድሚ ገጹ እሽበር፡ እናሐሰብኩ ድማ ብእኡ እስምብድ ኣሎኹ።
16
ኣምላኽ ንልበይ ኣጃጅይዎ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል የሸብረኒ ኣሎ እምበር፡
17
ኣብ ቅድሚ ጸልማትሲ ኣይጠፋእኩን፡ ንጣቓውን ኣብ ቅድሚ ገጸይ ኣይጋረዶን።
← Chapter 22
Chapter 24 →