bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Jeremiah 11
Jeremiah 11
Amharic Tigrinya 2011
1
ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል ኣሎ፡
2
ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑ፡ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ድማ ተዛረቡ።
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎም ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሐልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይ፡ ኢለ መለስኩ።
4

5

6
እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነዚ ዂሉ ቓላት እዚ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባይት የሩሳሌምን ከምዚ ኢልካ ኣውጆ፡ በለኒ፡ ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዕዎ ግበርዎ ድማ።
7
ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ነቦታትኩም ኣሰማዕኩሎም፡ ንድምጸይ ስምዑ፡ ኢለ ኣንጊሄ ኣስማዕኩሎም።
8
ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም ብትሪ እኩይ ልቦም ተመላለሱ እምበር፡ ኣይሰምዑን፡ እዝኖም ኣይጸለውን። ስለዚ ኸኣ ነቲ ኺገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶምውን ዘይገበርዎ ኹሉ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ።
9
እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ሰብ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ተማሓሒሎም ኣለው።
10
ንሳቶም ናብቲ ኣበሳ ናይቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝአበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመልሱ። ምእንቲ ኼገልግልዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዐቡ። ቤት እሰራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኣፍረሱ።
11
ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ናባይ ኪጠርዑ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክሰምዖምን እየ።
12
ኣታ ይሁዳ፡ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ኽንድኡ ኸኣ እዩ ብዝሒ ኣማልኽትኻ። ክንዲ እቲ መገድታት የሩሳሌም ክንድኡ ድማ ንነውሪ መስውኢታት ሰሪሕካ፡ ንበዓል እትዐጥነሉ መሰውኢ እኳ ደኣ ሰሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ከተማታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ናብቶም ዕጣን ዚዐጥኑሎም ኣምልኽቲ ኺጠርዑ ኢሎም ኪኸዱ እዮም፡ ግናከ ብጊዜ ጸበባኦምሲ ከቶ ኣይኬድሕንዎምን እዮም።
13

14
ብሰሪ ጸበባኦም ናባይ እንተ ተማህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ እሞ፡ ንስኻስ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ምእንትኦም ከኣ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን።
15
ፈታውየይ ግብሪ እከይ እናገበረስ ኣብ ቤተይ እንታይ ኣለዎ መብጽዓን እተቐደሰ ስጋንዶ እከይካ የርሕቐልካ እዩ ብምንታይ ደኣ ትሕጐስ ኣሎኻ
16
እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ፍረ እተሰለመት ልምዕቲ ኣውልዕ፡ ኢሉ ሰመየካ። እቲ ዝተኸለካ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብሰሪ እቲ ናይ ቤት እስራኤልን ናይ ቤት ይሁዳን ንበዓል እናዐጠኑ ዘቘጥዑኒ ንጒድኣቶም ዝገበርዎ እከይ፡ መዓት ኪወርደካ መደበ እሞ፡ ብብርቱዕ ህማም ታዕታዕ ድማ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ጨናፍራውን ሞዂ በለ።
17
እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ፍረ እተሰለመት ልምዕቲ ኣውልዕ፡ ኢሉ ሰመየካ። እቲ ዝተኸለካ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብሰሪ እቲ ናይ ቤት እስራኤልን ናይ ቤት ይሁዳን ንበዓል እናዐጠኑ ዘቘጥዑኒ ንጒድኣቶም ዝገበርዎ እከይ፡ መዓት ኪወርደካ መደበ እሞ፡ ብብርቱዕ ህማም ታዕታዕ ድማ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ጨናፍራውን ሞዂ በለ።
18
እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ እሞ፡ ፈለጥኩ፡ ሽዑ ተግባሮም ኣርኤኻኒ።
19
ኣነ ግና ከም ናብ ማሕረዲ ዚወስድዎ ሓላል ገንሸል ነበርኩ። ንሳቶም፡ ስማ ኸይዝከር ነታ ኦም ምስ ፍሬኣ ነጥፍኣያ፡ ካብ ሃገር ህያዋን ድማ ንመንቊሳ፡ ኢሎም ውዲት ከም ዝደበቑለይ ኣይፈለጥኩን።
20
ግናኸ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ቅኑዕ እትፈርድ፡ ልብን ኰላሊትን ከኣ እትምርምር፡ ነገረይ ኣባኻ ኤማሕጽን ኣሎኹ እሞ፡ ምፍዳይ ሕኔኻ ኣባታቶም ኣርእየኒ።
21
ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም፡ ብኢድና ኸይትመውት ብስም እግዚኣብሄር ኣይትነበ፡ ኢሎም ነፍስኻ ዚደልዩ ዘለው ሰብ ኣናቶት ይዛረብ ኣሎ።
22
ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ክቐስፎም እየ፡ ኣባጽሖም ብሰይፊ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜት ኪሞቱ እዮም።
23
በታ ንኣታቶም ዝቐጽዓላ ዓመት ኣብ ሰብ ኣናቶት መዓት ከውርድ እየ እሞ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ።
← Chapter 10
Chapter 12 →