bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 64
Isaiah 64
Amharic Tigrinya 2011
1
መንሞ ኺህብ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ፡ ኣኽራን ኣብ ቅድሜኻ ነነይ ምበሉ፡
2
ሓዊ ንቐሸም ከም ዜንድዶ፡ ሓዊውን ንማይ ከም ዜፍልሖ፡ ስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምእንቲ ኸተፍልጥ ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ኪብሉስ፡
3
ዘይተጸቤናዮ ዜገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፡ ወረድኻ፡ ኣኽራን ድማ ኣብ ቅድሜኻ ነነይ በሉ።
4
ነቶም ዚጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዔን፡ ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒውን ከቶ ኣይረኣየቶን።
5
ነቲ ተሐጒሱ ጽድቂ ዚገብር፡ ነቶም ኣብ መገድኻ ዚዝክሩኻ ትቃባበሎም። እንሆ፡ ንስኻ ዀሬኻ፡ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፡ ብእኡ ነዊሕ ዘመን ነበርና፡ ንድሕን ዶዀን ንኸውን
6
ኲላትና ኸም ሓደ ርኹስ ኰንና፡ ብዘሎ ጽድቅና ኸኣ ከም ጽዩቕ ክዳን እዩ፡ ኲላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልና፡ ኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቊጸና ኣሎ።
7
ገጽካ ኸዊልካልና፡ ብሰሪ ኣበሳና ኸኣ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፡ ስምካ ዚጽውዕን ንኣኻ ኺሕዝ ኢሉ ዚትንስእን ሓደ እኳ የልቦን።
8
ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኲልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና።
9
ዎ እግዚኣብሄር፡ እምብዛ ኣይትቈጣዕ፡ ኣበሳውን ንሓዋሩ ኣይትዘክር። እንሆ፡ ጠምት፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ኲልና ህዝብኻ ኢና።
10
እተን ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ዀይነን፡ ጽዮን በረኻ ዀይና፡ የሩሳሌም ዖንያ።
11
እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስገኑላ ቅድስትን ክብርትን ቤትና ብሓዊ ነደደት፡ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን ብዘሎ በረሰ።
12
ዎ እግዚኣብሄር፡ በዚ ነገር እዚዶ ኽትዘሐጥ ኢኻ ስቕ ክትብል እሞ እምብዛዶ ኸተጨንቕና ኢኻ
← Chapter 63
Chapter 65 →