bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 6
Isaiah 6
Amharic Tigrinya 2011
1
በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።
2
ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ ኣለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ።
3
እቲ ሓደ ኸኣ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ።
4
ብድምጺ እቶም ዘድሀዩ እቲ መሰረት ልዳውቲ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤትውን ትኪ መልኤት።
5
ሽዑ ድማ፡ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር ኣሎኹ እሞ፡ ወይለይ፡ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩ፡ በልኩ።
6
ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፡ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጒጤት ወሲዱ፡ ኣብ አዱ ሒዙ ናባይ ነፈረ።
7
ብእኡ ኸኣ ኣፈይ ተንከየ እሞ፡ እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ፡ ኣበሳኻ ረሐቐልካ፡ ሓጢኣትካውን ጸረየልካ፡ በለ።
8
ንመን ክልእኽ መንከ ኪኸደልና እዩ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒ፡ በልኩ።
9
ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉ፡ ምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ፡ በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ፡ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ፡ ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ፡ ነእዛኖም ኣጽምመን፡ ነዒንቶምውን ዐምተን፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
10
ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉ፡ ምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ፡ በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ፡ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ፡ ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ፡ ነእዛኖም ኣጽምመን፡ ነዒንቶምውን ዐምተን፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
11
ኣነ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ፡ በልኩ። ንሱ ድማ በለ፡ ከተማታት ክሳዕ ዚባድማ እሞ ዚነብረን ዜብለን፡ ኣባይቲ ብዘይ ሰብ፡ እታ ሃገርውን በረኻ ዀይና ኽሳዕ እትባድም፡
12
እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዜግዕዞም፡ ኣብ ማእከል እታ ሃገርውን ጽምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዚበዝሕ።
13
ዕሽር እኳ ኣብኣ እንተ ተረፈ፡ ንሱውን መሊሱ ኺጠፍእ እዩ። ግናኸ ከምቲ መመናን ኣውሕን ምስ ተቘርጸ፡ ጒንዱ ዚተርፍ፡ ከምኡ እቲ ቅዱስ ዘርኢ ጒንዱ ኪኸውን እዩ።
← Chapter 5
Chapter 7 →