bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 50
Isaiah 50
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኣነ ዝፈታሕኩሉ ጽሕፈት ምፍታሕ ኣዴኹም ደኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ንእኡ ዝሸጥኩኹም ብዓል ዕዳይ መን እዩ እንሆ፡ ብሰሪ በደልኩም ደኣ ኢኹም እተሸጥኩም፡ ብሰሪ ገበንኩም ድማ ኣዴኹም ተፈትሔት።
2
ስለምንታይ እዩ ምስ መጻእኩስ፡ ሓደ እኳ ዘይጸንሔ ጸዊዔ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይመልሰለይ ብሓቂዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ ወይስ ከናግፍዶ ሓይሊ የብለይን እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ ኤንጽፎ፡ ንወሓይዝ ድማ ምድሪ ኣጻምእ እገብሮ፡ ሰኣን ማይ ከኣ ዓሳታቱ ብጽምኢ ሞይቶም ይምሽምሹ።
3
ንሰማያት ብጸልማት እኽደኖ፡ መጐልበቢኡ ድማ ከሊ እገብሮ።
4
ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ።
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን።
6
ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ሀብኩ፡ ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን።
7
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ እዩ እሞ፡ ስለዚ ተጓእ ኣይበልኩን። ስለዚ ንገጸይ ከም ዓረ ገበርክዎ፡ ከም ዘይሐፍር ከኣ ፈለጥኩ።
8
እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ እዩ፡ መን እዩ ዚማጐተኒ ብሓደ ንቑም። መንከ እዩ ተጻራርየይ ይቕረበኒ።
9
እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ፡ ዚዂንነኒ ደኣ መን እዩ እንሆ፡ ኲላቶም ከም ዓለባ ኺበልዩ፡ ብልዒውን ኪበልዖም እዩ።
10
ካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ንድምጺ ባርያኡውን ዚሰሞ መን እዩ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ብርሃን ከኣ ዚስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሄር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹውን ይጸጋዕ።
11
እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ዂላትኩም፡ እያድ ከኣ እትዕጠቑ፡ ኣብቲ ሃልሃልታ ሓውኹምን ኣብቲ ዘንደድኩምዎ እያድን ኪዱ፡ እዚ ኻብ ኢደይ እዩ ዚመጻኩም፡ ኣብ ስቓይ ክትድቅሱ ኢኹም።
← Chapter 49
Chapter 51 →