bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 48
Isaiah 48
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ብስም እስራኤል እትስመዩ፡ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ኸኣ ዝፈልፈልኩም፡ ብሓቅን ብጽድቅን ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ እትውድሱ ዘሎኹም፡ እዚ ስምዑ፡
2
በታ ቅድስቲ ኸተማ ስለ እተሰምዩ፡ ኣብ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ስለ እተጸግዑ እዮም።
3
እቲ ሕሉፍ ኣቐዲመ ነገርኩ፡ ካብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣስማዕኩኹም፡ ብድንገት ገበርክዎ፡ ኰነ ኸኣ።
4
ህልኸኛ ምዃንካን፡ ክሳድካ ጅማት ሓጺን፡ ግንባርካውን ኣስራዚ ምዃኑን ፈሊጠ እየ እሞ፡
5
ስለዚ፡ ጣኦተይ እዩ ዝገበሮ፡ እቲ ጽሩብን ፍሱስን ምስለይ እዩ ዝኣዘዞ፡ ከይትብልሲ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፡ ከይኰነ ኸኣ ኣስማዕኩኻ።
6
ነዚ ሰሚዕካ ኣሎኻ፡ ንዂሉውን ጠምቶ፡ ንስኻትኩምሲ ኣይተውርይዎንዶ ኢኹም ካብ ሕጂ ጀሚሩ ሓድሽን ሕቡእን ዘይፈለጥካዮን ነገር ከስማዓካ እሮአ።
7
ሕጂ ተፈጥራ እምበር፡ ቀደም ኣይኰነን፡ ንስኻ፡ ነዝስ እፈልጦ ነይረ፡ ምእንቲ ኸይትብል፡ ቅድሚ ሎሚ ኣይሰማዕካዮን።
8
ኣይሰማዕካን፡ ኣይፈለጥካን፡ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፍተን። እዚ ኸኣ ጠላሚ ምዃንካን፡ ካብ ማሕጸን ኣዴኻ ጀሚሮም ገበነኛ ኢሎም ከም ዚሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።
9
ስለ ስመይ ኢለ ቊጥዓይ ኤደንጒ፡ ከየጽንተካ ድማ፡ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣሎኹ።
10
እንሆ፡ ኣምከኽኩኻ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኰነን፡ ኣብ እቶን ጸበባ ተዐዘብኩኻ።
11
ስለይ፡ እወ፡ ስለይ ኢለ ኽገብሮ እየ፡ ከመይ ኢለኸ ንስመይ ይርከስ ክሐድጎ ክብረይ ከኣ ንኻልእ ኣይህብን እየ።
12
ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻውን ዝጸዋዕኩኻ እስራኤል፡ ስማዓኒ፡ ንሱ ኣነ እየ፡ ቀዳማይ ኣነ እየ፡ ዳሕራይውን ኣነ እየ።
13
ኢደይ ምድሪ ሰረተት፡ የማነይተይ ከኣ ሰማያት ዘርግሔት፡ ምስ ዝጽውዖም ድማ ብሓደ ይቘሙ።
14
ኲላትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፡ ካባታቶምከ እዚ ዝገበረ መን እዩ እቲ እግዚኣብሄር ዜፍቅሮ ንፍቓዱ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ኪፍጽሞ እዩ፡ ቅልጽሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ኪኸውን እዩ።
15
ኣነ፡ ኣነ እየ እተዛረብክዎን ዝጸዋዕክዎን፡ ኣነ እየ ዘምጻእክዎ እሞ መገዱ ኺሰልጠሉ እዩ።
16
ናባይ ቅረቡ፡ እዚ ስምዑ፡ ካብ መጀመርታ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፡ ካብቲ ዝዀነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኣኡ ኣሎኹ። ሕጂውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣይን ንመንፈሱን ልኢኹ ኣሎ።
17
እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል፡ ነቲ ዚጠቕም ዝምህረካን፡ በታ እተኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
18
ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡
19
ዘርእኻ ኸም ሑጻ፡ ፍረ ኸርስኻውን፡ ከም ድበቱ ምዀነ። ስሙ ከቶ ኣይምጠፍኤን፡ ካብ ቅድመይ ድማ ኣይምተደምሰስን ነይሩ።
20
ካብ ባቢሎን ውጹ፡ ካብ ከለዳውያን ጽለቑ፡ ብድምጺ እልልታ ንገሩ፡ ኣውጁ፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣውርዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተበጅይዎ፡ በሉ።
21
ብምድረ በዳ ኺመርሖም ከሎ፡ ኣይጸምኡን፡ ማይ ካብ ከውሒ ኣውሐዘሎም፡ ከውሒ ሰንጢቑ ማይ ኣፈልፈለ።
22
ንረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
← Chapter 47
Chapter 49 →