bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 46
Isaiah 46
Amharic Tigrinya 2011
1
ቤል ይደንን፡ ኔቦ ይጒምበስ፡ ጣኦታቶም ናብ እንስሳን መጽዓኛን ይጸዐን፡ እቶም ዘዘርኩምዎም ነቲ ድኹም መጽዓኛ ከቢድ ጾር ኰይኖም ተጻዕንዎ።
2
ተጐምበሱ፡ ብሓደ ደነኑ፡ ነቲ ጾር ኬድሕንዎ ኣይከኣሉን፡ ንርእሶምውን ተማረኩ።
3
ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኲላትኩም፡ ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እተጸዐንኩም፡ ካብ ማሕጸን ጀሚርኩም ብኣይ እተጾርኩም፡ ስምዑኒ፡
4
ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ፡ ክጸውርን ኸድሕንን እየ።
5
መዛኑ ኽንከውንሲ፡ ምስ መን እሞ ከተማሳስሉኒ ከተመዓራርዩንን ኢኹም
6
ወርቂ ኻብ ማሕፉዳ ይኽስክሱ፡ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፡ ምስ ሰራሕተኛ ይዋዓዐሉ፡ ንሱውን ኣምላኽ ይሰርሕ፡ ንሳቶም ከኣ ይሰግዱሉን የማልኽዎን።
7
ኣልዒሎም ኣብ መንኲቦም ይጾርዎ፡ ኣብ ስፍራኡ ኸኣ የንብርዎ፡ ኣብኡ ይቐውም፡ ካብ ስፍራኡውን ፍንሕንሕ ኣይብልን። ዝጸውዔ እንተ ጸውዔ፡ ኣይመልስን ካብ ጸበባኡውን ኣየድሕኖን።
8
ነዚ ዘክሩ እሞ፡ ሰብኡት ኲኑ፡ ኣቱም ገበነኛታት፡ ኣብ ልብኹም ተመለሱ።
9
ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን።
10
ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ አነ እየ።
11
ንኣሞራ ኻብ ምብራቕ፡ ነቲ መማኽርተይ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝጽውዕ ኣነ እየ። እወ፡ ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ፡ ኣሚመ ኽገብሮውን እየ።
12
ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሐቕኩም ተረርቲ ልቢ፡ ስምዑኒ፡
13
ጽድቀይ ኤቕርብ ኣሎኹ፡ ንሱ ርሑቕ ኣይኰነን፡ ምድሓነይ ከኣ ኣይድንጒን፡ ምድሓን ኣብ ጽዮን፡ ክብረይውን ንእስራኤል ክህብ እየ።
← Chapter 45
Chapter 47 →