bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 39
Isaiah 39
Amharic Tigrinya 2011
1
በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክበላዳን፡ ወዲ በላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሐሚሙ ኸም ዝሐወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ደብዳበን ገጽ በረኸትን ሰደደሉ።
2
ህዝቅያስ ድማ ብኣታቶም ተሐጐሰ እሞ ነቲ ቤት መዝገቡ፡ ንብሩርን ወርቅን ቅዲትን ነቲ ኽቡር ዘይትታትን ንዂሉ ቤት መሳርያኡን ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝጸንሔ ዂሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ዂሉን ህዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓንቲ እኳ ኣይተረፈትን።
3
ሽዑ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ እዞም ሰባት እንታይ በሉ ካበይከ ናባኻ መጹ በሎ። ህዝቅያስ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን ናባይ ዝመጹ እዮም፡ በለ።
4
ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረኣዩ ኢሉ ሐተተ። ህዝቅያስ ድማ፡ ኣብ ቤተይ ዘሎ ዂሉ ርእዮም፡ ካብቲ ኣብ መዛግበይ ዘሎ ዂሉ ሓንቲ እኳ ዘየርኤኽዎም የልቦን፡ ኢሉ መለሰ።
5
ሽዑ ኢሳይያስ ንህዝቅያስ በሎ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስምዓዮ፡
6
እንሆ፡ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዂሉ፡ ሓንቲ እኳ ኸይተረፈት፡ ናብ ባቢሎን ዚወስዱለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7
ነቶም ካባኻ ዚወጹ እትወልዶም ኣወዳትካ ኸኣ ኪወስድዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ውሽጠ ሓሽከር ኪዀኑ እዮም።
8
ህዝቅያስ ከኣ ንኢሳይያስ፡ እቲ እተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ እዩ፡ በሎ። ደጊሙ ኸኣ፡ በዘመነይሲ ሰላምን ደሓንን ደኣ ይኸውን፡ በለ።
← Chapter 38
Chapter 40 →