bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 36
Isaiah 36
Amharic Tigrinya 2011
1
ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ንንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዂላተን ደዪቡ ሐዘን።
2
ንጉስ ኣሶር ከኣ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ካብ ላኪሽ ናብ የሩሳሌም ንረብሳቁ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ ለኣኾ፡ ንሱውን ኣብ ጥቓ እቲ ላዕላይ ሓጽቢ መስኖ፡ ብመገዲ ግራት መስተይ ቀለም ደው በለ።
3
ሽዑ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ናብኡ ወጹ።
4
ረብሳቄ ኸኣ በሎም፡ ንህዝቅያስ በል፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዛ እትውከላ ዘሎኻ ትውክልቲ እንታይ እያ
5
ንውግእስ ምኽርን ዓቕምን ኣሎኒ፡ ምባልካ ቓል ከናፍር ጥራይ እዩ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ ካባይ እትሽፍትሲ ኣብ መን ተወኪልካ ኢኻ
6
እንሆ፡ በቲ ስቡር ምርኩስ ሻምብቆ፡ ብግብጺ፡ ትውከል ኣሎኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፡ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የንኲሎ። ፈረኦን ንጉስ ግብጺ ኸኣ ነቶም ዚውከልዎ ዂሎም ከምኡ እዩ።
7
ንሕናስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንውከል፡ እንተ በልካኒ፡ ንሱዶ ኣይኰነን፡ ህዝቅያስ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ስገዱ፡ እናበለ ንዀረቢቱን መሰውኢታቱን ዘፍረሰሉ
8
እስከ እጂ ምስ ጐይታይ፡ ምስ ንጉስ ኣሶር፡ ተዋራረድ፡ ንስኻ ዚቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካ፡ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ።
9
ከመይ ጌርካኸ ንሓደ ፊተውራሪ ናይቶም ናእሽቱ ሓሸክር ጐይታይ፡ ገጽ ንድሕሪት ክትመልስ ትኽእል ግናኸ ብናይ ግብጺ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተወኪልካ ኣሎኻ።
10
ሕጂኸ ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ድዩ ነዛ ሃገር ከጥፍኣ ዝደየብኩ እግዚኣብሄር እዩ፡ ናብዛ ሃገር ደይብካ ኣጥፍኣያ፡ ዝበለኒ።
11
ሽዑ ኤልያቂምን ሸብናን ዮኣህን ንረብሳቄ፡ ቋንቋ ሶርያ ንፈልጦ ኢና እሞ፡ ንባሮትካ ዀታ ብእኡ ተዛረበና፡ ግናኸ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቀጽሪ ዘለው ህዝቢ ብዘረባ ይሁዳ ኣይትዛረበና፡ በልዎ።
12
ረብሳቄ ግና፡ ጐይታይሲ እዘን ቃላት እዜኤን ክዛረብ ናብ ጐይታኻን ናባኻን ድዩ ዝለኣኸኒ ናብቶም ውጽኣቶም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ምሳኻትኩም ኣብ ቀጽሪ ተቐሚጦም ዘለው ሰብኡትዶ ግዳ ኣይኰነን ዝለኣኸኒ በለ።
13
ድሕርዚ ረብሳቄ ደው በለ እሞ ዓው ኢሉ ብዘረባ ይሁዳ ጨደረ በለውን፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ስምዑ፡
14
እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል፡ ህዝቅያስ ከናግፈኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ኣይጠብርኩም።
15
ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማውን ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትወሀብን እያ፡ እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣየወከልኩም።
16
ንጉስ ኣሶር፡ ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ እሞ ናብ ምድርኹም ዚመስል፡ ምድሪ እኽልን ወይንን ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ዘቢብን ክሳዕ ዘብጽሓኩም፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ንፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩምውን ካብ ኦም በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ማይ ዔላኡ ይስተ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ።
17
ንጉስ ኣሶር፡ ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ እሞ ናብ ምድርኹም ዚመስል፡ ምድሪ እኽልን ወይንን ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ዘቢብን ክሳዕ ዘብጽሓኩም፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ንፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩምውን ካብ ኦም በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ማይ ዔላኡ ይስተ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ።
18
ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬናግፈና እዩ፡ ኢሉ ኣይሕበልኩም። ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ንሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፋዶ ኣሎ
19
ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለው ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለው ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣናጊፎምዋ እዮም
20
ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዜኤን ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ ኣየናይ እዩ እግዚኣብሄርከ ንየሩሳሌምዶ ኻብ ኢደይ መናገፋ
21
ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ፡ እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
22
ድሕርዚ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ ኣተው፡ ቃላት ረብሳቄ ኸኣ ነገርዎ።
← Chapter 35
Chapter 37 →