bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 27
Isaiah 27
Amharic Tigrinya 2011
1
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ተሪርን ዓብይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ቕልጡፍ ተመን፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ዚለዋወ ተመን፡ ኪቐጽዖ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከኣ ኪቐትሎ እዩ።
2
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ እተፈትወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ፡
3
ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፡ ኲሉ ጊዜ ኤስትዮ፡ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፡ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣሎኹ።
4
ኲራ የብለይን፡ ተዀርባን እሾዂን ኪዋግኡኒ እንተ ዚትንስኡ፡ ተንሲኤ ብሓደ መንደድክዎም።
5
እንተ ዘይኰነስ ምሳይ ይተዐረቕ፡ ንሓይለይ ይሐዝ፡ ምሳይ ይተዐረቕ።
6
በቲ ዚመጽእ ዘመን፡ ያእቆብ ሱር ኪሰድድ፡ እስራኤል ከኣ ኪልምዕን ኪዕምብብን እዩ፡ ንዝባን ዓለም ድማ ብፍረ ኺመልእዎ እዩም።
7
ከምቲ ነቶም ወቓዕቲ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ ወይስ ከምቲ ንቕቱላቱ ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ
8
ኣርሒቕካ ብምስጓጒ ብልክዕ ቀጻዕካዮ፡ ብመዓልቲ ንፋስ ምብራቕ ብብርቱዕ ህቦብላኡ ደፍኦ።
9
ኣዕኑድ ኣስታርተን ሓወልቲ ጸሓይን ድሕሪ ደጊም ከይትንስኡ፡ ንዂሉ ኣእማን መሰውኢ ኸም ዚሰባበር እምኒ ኖራ ገይሩ ምስ ኣፍረሶ፡ ስለዚ እቲ ኣበሳ ያእቆብ በዚ ተሰርየ፡ እዚ እዩ ምሉእ ፍረ ምርሓቕ ሓጢኣት።
10
እታ ጽንዕቲ ኸተማ ትጽሙ፡ ከም በረኻ፡ ሰብ ዜብሉ እተሐድገ ስፍራ ትኸውን ኣላ፡ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፡ ኣብኣውን ይውዕልን ጨናፍራ ይበልዕን ኣሎ።
11
ጨንገፋ ምስ ነቐጸ፡ ይስበር፡ ኣንስቲውን መጺኤን የንድዳኦ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ፈጣሪኡ ኣይድንግጸሉን፡ እቲ ደኳኒኡ ድማ ኣይምሕሮን።
12
በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ካብሪ ርባ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ናይ ግብጺ ወሓዚ፡ እግዚኣብሄር ፍረ ኼእቱ እዩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል ከኣ፡ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።
13
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ዓብዪ መለኸት ኪንፋሕ እሞ፡ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ጠፊኦም፡ እቶም ኣብ ሃገር ግብጺውን ተሰጒጎም ዝነበሩ ኺመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቅዱስ ከረን፡ ኣብ የሩሳሌም ኪሰግዱሉ እዮም።
← Chapter 26
Chapter 28 →