bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 21
Isaiah 21
Amharic Tigrinya 2011
1
ጾር ብዛዕባ በረኻ ባሕሪ። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዚለዐል፡ ከምኡ ኸኣ በረኻ፡ ካብቲ ዚፍራህ ሃገር ይመጽእ።
2
መሰክሕ ዝዀነ ራእይ ተገልጸለይ፡ ዓማጻይ ይዕምጽ፡ ማራኻይ ይማርኽ ኣሎ። ኣቲ ኤላም፡ ደይቢ፡ ዎ ማዳይ፡ ክበቢ፡ ንምስቊርቋር ዘበለ ዂሉ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
3
ስለዚ ሕቘይ ቃንዛ መሊእዎ፡ ከምታ ብጻዕሪ እትወልድ ሰበይቲ ኸኣ ጻዕሪ ሒዙኒ፡ ብሰሪ ምዕሉባጥ ምስማዕ ስኢነ፡ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን ድማ ሰምቢደ ኣሎኹ።
4
ልበይ ተመሊሑ፡ ረዓድ ሒዙኒ፡ እቲ ዝብህጎ ዘሎኹ ጽልግልግ ናብ ምንቅጥቃጥ ተለዊጡኒ።
5
መኣዲ ይዳሎ፡ ሓለውቲ ይሕልው፡ ይብላዕ፡ ይስተ ኣሎ፡ ኣቱም መሳፍንቲ፡ ተንስኡ ዋልታ ልኸዩ።
6
እግዚኣብሄርሲ፡ ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፡ እቲ ዝረኣዮውን ይንገር፡ በለኒ።
7
ንሱ ኸኣ ጭፍራ ፈረሰኛታት በብኽልተ፡ ጭፍራ ኣእዱግ፡ ጭፍራ ኣግማል ረኣየ፡ ኣጸቢቑ ጽን በለ፡ ተጠንቂቑ ጽን በለ።
8
ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ ኣሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታት፡ በብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ በቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረ፡ ኢሊ መለሰ።
9
ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ ኣሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታት፡ በብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ በቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረ፡ ኢሊ መለሰ።
10
ኣታ እተኼድካ ወዲ ዓውደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ዝሰማዕክዎ ነጊረካ እኔኹ።
11
ጾር ብዛዕባ ዱማ። ካብ ሰዒር፡ ኣታ ሓላዊ፡ ለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ ኢሉ የድህየኒ ኣሎ።
12
እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ ወግሔ መሰየውን፡ ክትሐቱ እንተ ደሌኹም ሕተቱ፡ መሊስኩም ከኣ ምጹ፡ በለ።
13
ጾር ብዛዕባ ዓረብ። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፡ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሐድሩ ኢኹም።
14
ካብ ኣስያፍ፡ ካብ ምሉሕ ሰይፊ፡ ካብቲ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰብ ቴማ፡ ንጽሙእስ ማይ ኣምጽኡሉ፡ ንህዱማትውን እንጌራ ሒዝኩም ተቐበልዎም።
15
ካብ ኣስያፍ፡ ካብ ምሉሕ ሰይፊ፡ ካብቲ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰብ ቴማ፡ ንጽሙእስ ማይ ኣምጽኡሉ፡ ንህዱማትውን እንጌራ ሒዝኩም ተቐበልዎም።
16
እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ብዓመት ከምቲ ዓመታት ብዓል ዓስቢ፡ ኲሉ ኽብሪ ቄዳር ኪጠፍእ እዩ፡
17
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ካብ ቊጽሪ መንትግ እቶም ጀጋኑ ደቂ ቄዳር ዚተርፍ ሒደት እዩ።
← Chapter 20
Chapter 22 →