bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 12
Isaiah 12
Amharic Tigrinya 2011
1
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክትብል ኢኻ፡ ጐይታየ፡ ተቘጢዕካኒ ነበርካ፡ ግናኸ ቊጥዓኻ ተመሊሱስ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ።
2
እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ።
3
ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።
4
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክትብሉ ኢኹም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፡ ንስሙ ጸውዑ፡ ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ፡ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ።
5
ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ እዚ ኣብ ኲላ ምድሩ ይፈለጥ።
6
ኣቲ ኣብ ጽዮን እትነብሪ፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ተሐጐስን እልል በልን።
← Chapter 11
Chapter 13 →