bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Hosea 8
Hosea 8
Amharic Tigrinya 2011
1
መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር፡ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፡ ሕገይ ከአ ግሂሶም እዮም እሞ፡ ከም ንስሪ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ኪወርድ እዩ።
2
ንሳቶም፡ ኣምላኸይ፡ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና፡ እናበሉ ናባይ ኬእውዩ እዮም።
3
እስራኤል ንሰናይ ደርበዩ፡ ጸላኢ ኸሰጉ እዩ።
4
ነገስታት ኣንገሱ፡ ግናኸ ብኣይ ኣይኮነን፡ መሳፍንቲ ገበሩ፡ ኣነውን ኣይፈለጥኩን። ምእንቲ ኺጠፍኡስ ብብሩሮምን ብወርቆምን ንርእሶም ጣኦታት ገበሩ።
5
ዎ ሰማርያ፡ ብተይካ ደርበየካ፡ ቁጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነደደ፡ ክሳዕ መአዝ እዮም ኪጸርዩ ዘይከአሎም፡
6
እዚ ኸአ ካብ እስራኤል እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ ሓደ ዓያዩ ዝገበሮ እዩ። ብተይ ሰማርያ ኺሰባብር እዩ።
7
ንፋስ ይዘርኡ አለው፡ ህቦብላ ኺዐጽዱ እዮም። ቃንጫ የብሉን፡ እቲ ብቋልያ ሓርጭ ኣየውጽእን። እተን ኣውጽኤ እኳ፡ ጓኖት ምወሐጥዎ።
8
እስራኤል ተዋሕጠ። ሕጂ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ኾነ።
9
ከምቲ ንበይኑ ዚነብር ኣድጊ ኸደን ናብ ኣሶር ወጺኦም አለው። ኤፍሬም ብህያብ ፈተውቲ ገበረ።
10
ንህዝብታት እኳ ህያብ እንተ ሀቡ፡ ኣነ ሎሚ ኽእክቦም እየ። ብጾር እቲ ንጉስ መሳፍንቲ ኸአ ምውሓድ ኪጅምሩ እዮም።
11
ኤፍሬም ሓጢኣት ንምግባር መሰውኢታት ኣብዚሑ እዩ እሞ፡ እቲ መሰውኢታት ድማ ንሓጢኣት ኮኖ።
12
ኣእላፋት ሕገይ እኳ እንተ ጸሓፍኩምሎም፡ ጓና ኾይኑ እዩ ዚቖጸር።
13
መስዋእተይ የቕርቡ፡ ስጋ ይስውኡ እሞ ይበልዐዎ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣይቅበሎምን። ሕጂ ኣበሶኦም ኪዝክሮ ንሓጢኣቶም ከአ ኪቐጽዖ እዩ። ንሳቶም ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም።
14
እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዖ፡ ኣዳራሻት ሀነጸ፡ ይሁዳ ኸአ እተዐርደ ኸተማታት ኣብዝሔ። ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንሱውን ንግብምታቱ ሞኽ ኬብሎ እዩ።
← Chapter 7
Chapter 9 →