bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Hosea 6
Hosea 6
Amharic Tigrinya 2011
1
ንሱ ቐደደ፡ ኬጥዕየና ኸአ እዩ፡ ንሱ ወቕዔ፡ ኪዝንነና ድማ እዩ እሞ፡ ንዑናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
2
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ህያውና ኪገብረና እዩ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸአ ደው ኬብለና እዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህወት ከንነብር ኢና።
3
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፡ ክንፈልጦ ድማ ንስዐቦ። ምውጽኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፡ ንሱ ኸም ዝናም፡ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ።
4
ዎ ኤፍሬም፡ እንታይ ክገብረካ እየ፡ ዎ ይሁዳ እንታይ ክገብረካ እየ፡ ሰናይኩም ከም ደበና ብጊሓት፡ ከምቲ ኣንጊሁ ዘጠፍእ ኣውሊ እዩ።
5
ስለዚ ብነብያት ቁረጽክዎም፡ ብቓል ኣፈይ ቀተልክዎም፡ ፍርድኻ ድማ ከም ብርሃን ይወጽእ።
6
ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኮነን፡ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።
7
ንሳቶም ግና ከም ኣዳም ኪዳን ኣፍረሱ፡ በዚውን ጠለሙኒ።
8
ጊልዓድ ብደም እተዐለሰት ከተማ ኣበሰኛታት እያ።
9
ከምቲ ኸተርቲ ንሰብ ዜድብዩሉ፡ ከምኡ ድማ እቶም ኣኼባ ኻህናት ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ፡ እወ፡ ሕሰም ይገብሩ።
10
ኣብ ቤት እስራኤል ዜሰክሕ ነገር ርኤኹ፡ ምንዝርና ኤፍሬም ኣብኡ እዩ፡ እስራኤል ከአ ረኸሰ።
11
ንምርኮ ህዝበይ ምስ መለስክዎ፡ ኣታ ይሁዳ፡ ንኣኻ ድማ ቀውዒ ተዳልዩልካ አሎ።
← Chapter 5
Chapter 7 →