bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Genesis 16
Genesis 16
Amharic Tigrinya 2011
1
ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ ውሉስ ኣወለደትን ነበረት። ኣጋር እትበሃል ግብጻዊት ግዝእቲ ድማ ነበረታ።
2
ሳራይ ከኣ ንኣብራም እንሆ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ዓጽዩኒ እዩ። ምናልባሽ ብእኣ እንተ ተፋሬኻ። በጃኻ ናብዛ ግዝእተይ እቶ በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሳራይ ሰምዔ።
3
ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸንኣን ዓአርተ ዓመት ገብረ፡ ሳራይ ሰብይቲ ኣብራም፡ ነታ ግብጻዊት ግዝእታ ኣጋር ወሲዳ ንኣብራም ሰብኣያ ሰበይቱ ኸተከውን ሃበቶ።
4
ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፡ ንሳ ኽኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ረኣየት፡ ንእመቤታ ኣቃለለታ።
5
ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ እዚ ዝዕገቦ ዘለኹ፡ ናብ ልዕሌኻ ይውረድ፡ ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቑፍኻ ሀብኩኻ፡ ከም ዝጠነሰት ምስ ረኣየት ከኣ ኣቃለለትኒ። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ በለቶ።
6
ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ እንሃ ፡ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፡ ጽቡቕ ኮይንይ ኸም እተራእየኪ ግበርያ በላ። ሽዑ ሳራይ ኣዋረደታ፡ ንሳ ኽኣ ካብ ቅድሚኣ ሀደመት።
7
መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ሹር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ረኸባ።
8
ንሱ ድማ፡ ኣቲ ኣጋር፡ ግዚእቲ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፡ ናበይሲ ትኸዲ ኣሎኺ በላ። ንሳ ኽኣ፡ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመቤተይ ሳራይ እሀድም ኣለኹ በለት።
9
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ትሕት በሊ በላ።
10
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ፡ ንዘርእኺ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ክቑጸር ክሳዕ ዘይክእል ፡ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ ፡ በላ።
11
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ፡ እንሆ ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኽኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ።
12
ንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ ኢዱ ናብ ልዕሊ ኹሉ፡ ኢድ ኩሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ክትከውን እያ። ኣብ ቅድሚ ኹሎም ኣሕዋቱ ኽኣ ኪነብር እዩ፡ በለ።
13
ንሳ ድማ ነቲ ዚርእየንስ ኣብዚዶ ርእየዮ እየ፡ ኢላ ስም እቲ ንኣኣኣ እተዛረበ እግዚኣብሄር ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ ኢላ ኣውጽኣትሉ።
14
ስለዚ እቲ ዔላ ብኤር ለሓይሮይ ተባህለ። ንሱ እንሆ፡ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን ኣሎ።
15
ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወልደትሉ ወዲ ስሙ እስማዒል ኣውጽኣሉ።
16
በቲ ኣጋር ንኣብራም እስሚኤል ዝወለደትሉ ጊዜ ድማ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሹድሽተን ዓመት ኮይኑ ነበረ።
← Chapter 15
Chapter 17 →