bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Genesis 12
Genesis 12
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፡ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ።
2
ኖኣቡዩ ህዝቢ ክገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ነብረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ።
3
ንዚባርኹካ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኩላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።
4
ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ፡ ሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኽኣ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ።
5
ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን፡ ነቲ ዘጥረይዎ ኹሉ ጥሪቶምን ነቶም ካብ ካራን ዘጥረይዎም ነፍሳትን ወደሶ፡ ንምድሪ ኸንኣን ኪኸዱ ወጹ፡ ናብ ምድሪ ኸንኣን ከኣ መጹ።
6
ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ኽሳዕ ቦታ ሴኬም ክሳዕ ድዋታት ሞሬ ሓለፈ። በቲ ዘበንቲ ድማ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ።
7
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተራእዮ፡ እዚ ምሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ፡ ከኣ በሎ። ኣብኡውን ነቲ እተራእዮ ኣግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሓሉ።
8
ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴኤል ዘሎ ኸረን ተጓዒዙ ድማ፡ ኣብኡ ድንኳን ተኸለ፡ እሞ ቤትኤል ብሸነኽ ምዕራቡ፡ ዓይ ከኣ ብምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኽኣ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ።
9
ኣብራም ድማ ተላዒሉ እናገዐዘ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸደ።
10
ኣብታ ሃገር ከ ጥሜት ኮነ። ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዔ ድማ፡ ኣብራም ብስደት ኣብኣ ኪቕመጥ፡ ናብ ግብጺ ወረደ።
11
ኮነ ኻኣ፡ ናብ ግብጺ ኽኣቱ ምስ ቀረበ፡ ንሰበይቱ ሳራይ፡ እንሆ መልከዔኛ ሰበይቲ ምዃንኪ ፈሊጠ ኣሎኹ እሞ፡
12
ኪኸውን ድማ እዩ፡ ግብጻውያን ምስ ዚርእዩኺ ሰብይቱ እያ ኽብሉ እዮም፡ ንኣይ ቀቲሎም ንኣኺ ብህይወት ይሓድጉኺ።
13
እምበኣር በጃኺ፡ ብሳላኺ ምእንቲ ንኣይ ኪጥዕም ነፍሰይ ድማ ብኣኺ ክትድሕንሲ፡ ሓብቱ እየ ደኣ በሊ በላ።
14
ኮነ ኻኣ፡ ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ግብጻውያን እታ ሰበይቲ ብዙሕ መልክዔኛ ምዃና ረኣዩ።
15
እቶም ሹማምቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ነኣድዋ። ነታ ሰበይቲውን ናብ ቤት ፈርኦን ወሰድዋ።
16
ንኣብራም ድማ ምእንትኣ ጽቡቕ ገብረሉ፡ ኣባጊዕን ኣብዑርን ኣውዳልን ገላውን ኣግራድን ኣንስትዮ ኣእዱግን ኣግማልን ነበርዎ።
17
እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም፡ ንፈርኦን ንቤቱን ብርቱዕ ቅጽዓት ቀጽዖ።
18
ፈርኦን ድማ ንኣብራም ናብኡ ጸዊዑ፡ እንታይ እዩ እዚ ዝገብርካኒ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሰብይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ፡
19
ስለምንታይሲ ሓብተይ እያ፡ በልካ፡ ሰበይተይ ክትከውን ምወሰድክዋ ነይረ። ሕጂ ኽኣ እንሃትልካ፡ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ በሎ።
20
ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ፡ ንእኡን ንሰብይቱን ንዘለዎ ኹሉን ኬሰንይዎም፡ ኣዘዘ።
← Chapter 11
Chapter 13 →