bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 9
Ezekiel 9
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣብ ኣእዛነይ ከኣ፡ እቶም ነታ ኸተማ ዚቐጽዑስ፡ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዜጥፍኣሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ።
2
እንሆ ድማ፡ ሹድሽተ ሰብኣይ፡ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዚቐትለሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ መገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ላዕላይ ደገ መጹ። ሓደ ሰብኣይ፡ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ናብ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቚኡ ዘለዎ፡ ኣብ ማእከሎም ነበረ። ኣትዮም ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙ።
3
ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፡ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተላዕለ፡ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። ነቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቚኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ጸውዖ።
4
እግዚኣብሄር ከኣ፡ ብማእከል ከተማ፡ ብማእከል የሩሳሌም ሕለፍ እሞ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጒህዩን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም፡ በሎ።
5
ኣነ እናሰማዕኩ ኸኣ ነቶም ካልኦት በሎም፡ ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሐሊፍኩም ውቕዑ፡ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትንሐፍ ኣይትራሕርሑውን።
6
ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረገውትን ነጒባዝን ንጐረዙን ንቐለውዕን ንኣንስትን ቅተሉ፡ ኣጽንቱ። ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም። ንሳቶም ከኣ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረገውቲ ጀመሩ።
7
ንሱ ድማ፡ ነታ ቤት ኣርክስዋ፡ ነቲ ኣጸዳት ከኣ ብምዉታት ምልእዎ፡ ውጹ፡ በሎም። ንሳቶም ወጹ ኣብታ ኸተማውን ይወቕዑ ነበሩ።
8
ኰነ ድማ፡ ኪወቕዑ ኸለዉ፡ ኣነ ተረፍኩ። ብገጸይ ወደቕኩ እሞ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነድርኻ ኣብ የሩሳሌም ኲዒኻዶ ንዂሎም ትርፎፍያ እስራኤል ከተጥፍኦም ኢኻ ኢለ ጨራሕኩ።
9
ንሱ ድማ በለኒ፡ ኣበሳ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ፡ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርእን እሮኡ፡ ይብሉ ኣለዉ እሞ፡ እታ ሃገር ብደም፡ እታ ኸተማውን ብዓመጽ መሊኤን ኣለዋ።
10
ስለዚ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፡ ኣነ ኣይክርሕርሕን፡ መገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ።
11
እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቚኡ ዝነበሮ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ፡ ኢሉ ጸብጻቡ ሀበ።
← Chapter 8
Chapter 10 →