bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 46
Ezekiel 46
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ በተን ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ኽትዕጾ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ክትክፈት፡ ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒውን ክትክፈት እያ።
2
እቲ መስፍን ከኣ በቲ ገበላ እታ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወጻኢ ኺኣቱ፡ ኣብ ልዳት እታ ደገውን ኪቐውም እዩ። ካህናት ከኣ መስዋእቲ ምህራሩን መስዋእቲ ምስጋናኡን ኬቕርቡ እዮም፡ ንሱ ድማ ኣብ መድረኽ እታ ደገ ኺሰግድ፡ ድሕርዚውን ኪወጽእ እዩ። እታ ደገ ግና ክሳዕ ምሸት ኣይክትዕጾን እያ።
3
ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን፡ ኣብ መእተዊ እዛ ደገ እዚኣ ዀይኖም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰግዱ እዮም።
4
እቲ መስፍን ብመዓልቲ ሰንበት ንእግዚኣብሀር ዜቕርበሉ መስዋእቲ ምሕራርሲ ጒድለት ዜብሎም ሹድሽተ ገንልን፡ ጒድለት ዜብሉ ሓደ ድዑልን እዩ።
5
መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ነቲ ድዑል ሓንቲ ኤፋ፡ መስዋእቲ ብልዒ ነቶም ገንሸላት ድማ ከም ርካቡ ኪኸውን፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋውን ሓደ ሂን ዘይቲ ኺህልዎ እዩ።
6
ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸኣ ጒድለት ዜብሉ ዝራብዕን ጒድለት ዜብሎም ሹድሽተ ገንልን ሓደ ድዑልን ኬቕርብ እዩ።
7
ንሱ ኸኣ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ዱዑል ድማ ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገናሽልውን ከም ርካቡ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ ኼቕርብ እዩ።
8
እቲ መስፍን ኪኣቱ ኸሎ፡ ብገበላ እታ ደገ ኺኣቱ፡ ብእኣ ኣቢሉውን ኪወጽእ እዩ።
9
ህዝቢ እታ ሃገር በቲ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ መጹ፡ እቲ ኺሰግድ ኢሉ ብደገ ሰሜን ዝኣተወ ብደገ ደቡብ ኪወጽእ፡ በታ ደገ ደቡብ ዝኣተወ ድማ ብደገ ሰሜን ኪወጽእ እዩ። በታ ኣንጻራ ደኣ ኺወጽእ እምበር፡ ሓደ እኳ በታ ዝኣተወላ ደገ ኣይኪምለስን እዩ።
10
እቲ መስፍን ከኣ፡ እቶም ህዝቢ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ኺኣቱ፡ ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ምስኦም ኪወጽእ እዩ።
11
ብበዓላትን ብበዓላት ዓመትን እቲ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገናሽልውን ከም ርካቡ፡ ነንሓደ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ ኬቕርብ እዩ።
12
እቲ መስፍን ከኣ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ምሕራር ወይስ መስዋእቲ ምስጋና ኸም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ኬቕርብ ከሎ፡ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ይኽፈተሉ እሞ፡ ነቲ መስዋእቲ ምህራሩን መስዋእቲ ምስጋናኡን ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ኬቕርብ እዩ። ድሕርዚ ኺወጽእ፡ ምስ ወጸ ድማ፡ እታ ደገ ትተዐጾ።
13
ጒድለት ዜብሉ ናይ ዓመት ገንሸል ከም መስዋእቲ ምሕራር ኣብ ጸጽባሕ ንእግዚኣብሄር ከተቕርበሉ ኢኻ። ንግሆ ንግሆ ኽትስውኦ ኢኻ።
14
ምስናይዚ መስዋእቲ ብልዒ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ፡ መለስለሲ እቲ ሓርጭ ከኣ ሳልሳይ ኣፍ ሂን ዘይቲ ንግሆ ንግሆ ኸተቕርብ ኢኻ። እዚ ንእግዚኣብሄር ዚቕረብ መስዋእቲ ብልዒ እዚ ናይ ሓዋሩ ስርዓት ንዂሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ።
15
ገንሸልን መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኲሉ ጊዜ መስዋእቲ ምሕራር ክትስውኡ ኢኹም።
16
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ መስፍን ንሓደ ኻብቶም ደቁ ውህበት እንተ ሀቦ፡ ርስቱ እዩ፡ እዚ ንደቁ ይኹን፡ ደቁ ዝወረስዎ ርስቶም እዩ።
17
ንሓደ ኻብ ገላዉኡ ኻብቲ ርስቱ መቒሉስ ውህበት እንተ ሀቦ ግና፡ እዚኣ ክሳዕ ዓመት ሓራ ናቱ ትኹን። ድሕርዚ ኸኣ ናብቲ መስፍን ትመለስ። ርስትነቱ ድማ ንደቁ ኪኸውን እዩ።
18
እቲ መስፍን ከኣ ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም። ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይንቀልስ፡ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ኼረስትዮም እዩ።
19
ድሕርዚ ንሱ ናብተን ናብ ወገን ሰሜን ዚርእያ ናይ ካህናት ቅዱሳት ክፍሊ ኣባይቲ በታ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ዘላ መእተዊት ኣቢሉ ኣእተወኒ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ወሰኑ ንምዕራብ ኣቢሉ ዚርኢ ቦታ ኣሎ።
20
ንሱ ኸኣ፡ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ከየውጽእዎ እሞ እቲ ህዝቢ ኸይቅደስሲ፡ እቲ እቶም ካህናት ነቲ መስዋእቲ ዕዳን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚቕቅልሉ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒውን ዚስንክትሉ ቦታ እዚ እዩ፡ በለኒ።
21
ናብ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ኣውጽኣኒ፡ ኣብ ኣርባዕቲኤን መኣዝን እታ ኣጸድ ከኣ ኣሕለፈኒ፡ እንሆውን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝን እታ ኣጻድሲ ኣጸድ ኣሎ።
22
ኣብተን ኣርባዕተ መኣዝን እታ ኣጸድ ድማ እተቐጽራ ኣጸዳት ኣለዋ፡ ምንዋሔን ኣርብዓ እመት፡ ወርደን ከኣ ሰላሳ እዩ። እዘን ኣርባዕተ ብመኣዝንሲ ልክዔን ሓደ እዩ።
23
ኣብ ዙርያኤን ኣብ ዙርያ ኣርባዕቲኤን ከኣ መንደቕ ኣሎ። ኣብ እግሪ እቲ መንደቕ ብዙርያ ድማ መሰኻተቲ ተሰሪሕዎ ኣሎ።
24
ንሱ ኸኣ፡ እዚኣ እታ ዜብስሉላ ቤት እያ፡ እዚኣተን ከኣ እቶም ኣገልገልቲ እዛ ቤት ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ዜብስሉለን እየን፡ በለኒ።
← Chapter 45
Chapter 47 →