bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 35
Ezekiel 35
Amharic Tigrinya 2011
1
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
2
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ከረን ሳዒር ኣብል ተነበየሉ ኸኣ፡
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮ፡ ኣታ ኸረን ሳዒር፡ እኔኩ እጥልቐልካ ኣሎኹ፡ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ።
4
ንኸተማታትካ ኸዕንወን እየ፡ ንስኻ ድማ ክትባድም ኢኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጥ ኢኻ።
5
ናይ ሓዋሩ ጽልኢ ስለ ዝነበረካ፡ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ጸበባኦምን በቲ ኣበሳኦም እተፈጸመሉ ጊዜን ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፡
6
ስለዚ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንደም ክውፍየካ እየ፡ ደም ከኣ ኪሰጐካ፡ ደም ኣይጸላእካን እሞ፡ ደም ኪሰጐካ እዩ።
7
ንኸረን ሳዒር ባዶን በረኻን ክገብሮ፡ ነቲ ብእኡ ዚኸይድን ዚምለስን ድማ ከጽንቶ እየ።
8
ነኽራኑ ብቕቱላቱ ኽመልኦ እየ። ኣብቲ በረኽትኻን ኣብ ሽንጭሮታትካን ኣብ ኲሉ ርባርባታትካን ብሰይፊ እተቐትሉ ኺወድቁ እዮም።
9
ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽገብረካ እየ፡ ከተማታትካ ድማ ሰብ ዘይነብረለን ኪዀና እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።
10
እግዚኣብሄር ኣብኣ ኸሎስ፡ ንስኻ፡ እዞም ክልተ ህዝብን እዘን ክልተ ሃገርን ናተይ ኪዀኑ፡ ንሕና ኽንወርሶም ኢና፡ ኢልካ ኢኻ እሞ፡
11
ስለዚ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ኸምቲ ዂራኻን፡ ከምቲ ጸሊእካ ዝገበርካዮም ቅንኣትካን ክገብር እየ። ምስ ፈረድኩኻ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ርእሰይ ከፍልጥ እየ።
12
እቲ ነኽራን እስራኤል፡ በረኻ ዀይኑ፡ ብልዒ ኪኸውን ድማ ንኣና ተወፍዩ እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ዂሉ ጸርፍኻ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝሰማዕክዎ ኽትፈልጥ ኢኻ።
13
ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዐቤኹምለይን ዘረባ ኸም ዘብዛሕኩምለይን፡ ሰሚዔዮ ኣሎኹ።
14
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ ኲላ ምድሪ ኽትሕጐስ ከላ፡ ኣነ ኸባድመካ እየ፡ ከምቲ ብምብዳም ርስቲ ቤት እስራኤል እተሐጐስካዮ፡ ከምኡ ኸውርደልካ እየ። ኣታ ኸረን ሳዒር፡ ክትባድም ኢኻ፡ ኲላ ኤዶም ብዘላውን ከምኡ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም፡ ይብል ኣሎ።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ ኲላ ምድሪ ኽትሕጐስ ከላ፡ ኣነ ኸባድመካ እየ፡ ከምቲ ብምብዳም ርስቲ ቤት እስራኤል እተሐጐስካዮ፡ ከምኡ ኸውርደልካ እየ። ኣታ ኸረን ሳዒር፡ ክትባድም ኢኻ፡ ኲላ ኤዶም ብዘላውን ከምኡ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም፡ ይብል ኣሎ።
← Chapter 34
Chapter 36 →