bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 28
Ezekiel 28
Amharic Tigrinya 2011
1
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
2
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንመስፍን ጢሮስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ ልብኻ ተዐብዪስ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ድማ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡ ትብል ኣሎኻ እሞ፡ ምንም እኳ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፡ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰንካን።
3
እንሆ፡ ካብ ዳንኤል ያኢ ንስኻ ትጠብብ፡ ኲሉ ምስጢርውን ኣይሕብኣካን እዩ።
4
ብጥበብካን በእምሮኻን ሃብቲ ኣጥሬኻ፡ ኣብ መዛግብካ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ።
5
በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብነግድኻን ሃብትኻ ኣብዛሕካ። ብምኽንያት ሃብትኻ ኣብዛሕካ። ብምኽንያት ሃብትኻ ኸኣ ልብኻ ተዐበየ።
6
ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፡
7
እንሆ፡ ስለዚ ኣነ ኻብ ህዝብታት ዚጭክኑ ጓኖት ከተንስኣልካ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ጽባቐ ጥበብካ ሰይፎም ኪመልሑ፡ ግርማኻ ድማ ኬርክሱ እዮም።
8
ናብ ጒድጓድ ኪደፍኡኻ እዮም፡ ንስኻውን ከምቲ እቶም ኣብ ልቢ ባሕሪ ተወጊኦም ዚሞቱላ ሞት ክትመውት ኢኻ።
9
ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደዀን፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ክትብል ኢኻ፡ ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ወጋኢኻ ሰብ ኢኻ እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰንካን።
10
ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፡ ንስኻ፡ ከምቲ ኣማውታ ዘይግዙራት፡ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
11
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
12
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንንጉስ ጢሮስ ብድጒዓ ቘዝመሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮ፡ ንስኻ ጥበብ ዝመልኣካ፡ ፍጹም ዝመልክዕካ ብሉጽ ማሕተም ነበረካ።
13
ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ፡ ስርድዮስ፡ ቶጳዝዮን፡ ከልቄዶን፡ ክሪሶሊት፡ ሰርዶንክስ፡ ያስጲስ፡ ሰፊሮስ፡ ክሪሶጵራስ፡ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበረካ። እቲ ኸበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፡ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።
14
ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፡ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ። ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ።
15
ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኽበካ ጊዜ ብመገድኻ ፍጹም ነበርካ።
16
ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፡ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፡ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፡ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ።
17
ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፡ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፡ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ።
18
ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ነግድኻን ንመቓድስካ ኣርከስካዮ። ስለዚ ኻብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውጻእኩ፡ ንሳውን በልዓትካ። ኣብ ቅድሚ ዂላቶም ዚርእዩኻ ድማ ኣብ ምድሪ ሓመዂስቲ ገበርኩኻ።
19
እቶም ዚፈልጡኻ ዘበሉ ዂሎም ህዝብታት ብኣኻ ኺስክሑ እዮም። መሰክሒ ዀንካ፡ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ኣይክትህሉን ኢኻ።
20
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
21
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ።
22
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ነገራ፡ ኣቲ ሲዶን፡ እኔኹ ኣብ ርእስኺ ኣሎኹ። ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክኸብር እየ። ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈጸምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
23
ፌራን ደም ኣብ ኣደባባያን ክሰደላ እየ፡ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸኣ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእከላ ጻሕ ኪብሉ እዮም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ ኣዮም።
24
ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ኣብ ኲሎም እቶም ዜቃልልዎም ጐደቦታቶም፡ ዚወግእ እሾዂ ወይስ ዜሕምም ተዀርባኣ ኣይኪህሉን እዩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
25
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንቤት እግስራኤል ካብቶም ኣብ ማእከሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ህዝብታት ምስ ኣከብክዎም፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝብታት ኣባታቶም ክቕደስ፡ ንሳቶም ድማ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሀብክዋ ሃገር ኪነብሩ እዮም።
26
ኣብኣ ብህድኣት ኪነብሩ፡ ኣባይቲ ኸኣ ኪሰርሑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኪተኽሉ እዮም። ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኦም ኰይኖም ዜቃልልዎም ዘለዉ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ሽዑ ብህድኣት ኪነብሩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።
← Chapter 27
Chapter 29 →