bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 19
Ezekiel 19
Amharic Tigrinya 2011
1
ንስኻ ኸኣ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፡ በል ድማ፡
2
ከመይ ኰን ኣዴኻ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት። ኣብ ማእከል ኣናብስ ተጋደመት፡ ኣብ ማእከል ሽደናት ኣናብስ ንዀራኲራ ኣዕበየት።
3
ሓደ ኻብቶም ኰራኲር ኣዕበየት፡ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፡ ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፡ ሰብውን በልዔ።
4
ህዝብታት ብዛዕባኡ ሰምዑ፡ ኣብ ጒድጓዶም ከኣ ተታሕዘ፡ ሳንቀ ኣፍንጫ ገይሮም ናብ ሃገር ግብጺ ወሰድዎ።
5
ትጽቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረኣየት፡ ተስፋ ኸኣ ምስ ቀበጸት፡ ካብ ኰራኲራ ሓደ ኻልእ ወሰደት፡ ሽደን ኣንበሳውን ገበረት።
6
ኣብ ማእከል ኣናብስ ተመላለሰ፡ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፡ ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፡ ሰብውን በልዔ።
7
ኣዳራሻቶም ገሰሰ፡ ከተማታቶም ኣዕነወ። እር ኢሉ ምስ ጓዘመ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ራዕራዕ በለ።
8
ሽዑ ኻብቲ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ህዝብታት ኣኽተቱሉ፡ መርበቦም ዘርግሑሉ፡ ኣብ ጒድጓዶም ድማ ተጋሕዘ።
9
ሳንቀ ገይሮም ኣብ ቈፎ ኣእተውዎ፡ ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ። ድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ድሕርዚ ኸይስማዕ፡ ኣብ ጽኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ።
10
ኣዴኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት። ብሳላ ብዝሒ ማያት እትጭብጭብ ሓረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ዀነት።
11
ንዘንጊ መንግስቲ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውጽኤት፡ ጒንዳ ኣብ ማእከል ጽቡቕ ኣቛጽል ነውሔ። ነዋሕን ሓረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፡ እትርኤ ዀነት።
12
ግናኸ ብቚጥዓ ተመንቈሰት፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ተደርበየት፡ ንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጸ። ድልዱል ጨናፍራ ተሰብረን ነቐጸን፡ ሓዊውን በልዖ።
13
ሕጂ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብ ደረቅ ምድሪ ኣጻምእ ተተኺላ ኣላ።
14
ካብ ጨናፍር ሓረጋ ሓዊ ወጸ፡ ፍሪኣ ኸኣ ሞዂ ኣበለ። ዘንጊ ገዛኢ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን። እዚኣ ልቕሶ እያ፡ ከም ድጒዓ ትድጓዕ።
← Chapter 18
Chapter 20 →