bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Exodus 5
Exodus 5
Amharic Tigrinya 2011
1
ድሕርዚ ድማ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ኣቶም በልዎ፡ እግዚኣሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ንህዝበይ ኣብ በረኻ በዓል ኪገብሩለይ ሕደጎም።
2
ፈርኦን ድማ፡ እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ፡ ኣግዚኣብሄር መን እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል ከኣ ኣይሓድግ በለ።
3
ንሳቶም ድማ፡ ኣምላኽ እብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፡ ፌራ ወይ ሴፍ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኼድና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውኣሉ፡ በጃኻ ፍቐደልና፡ በልዎ።
4
ንጉስ ግብጺ ኸኣ፡ ዎ ሙሴን ኣሮንን፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ ኻብ ዕዮኡ ተብኩርዎ ኣሎኹም፡ ናብ ዕዮኹም ኪዱ በሎም።
5
ፈርኦን ድማ፡ እንሆ እዚ ህዝቢ ሕጂ ኣብዛ ሃገር በዚሑ እዩ። ካብ ዕዮኦም ከኣ ተዕርፍዎም ኣሎኹም በለ።
6
ፈርኦን በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡
7
ደጊም ባዕላቶም ከይዶም ሓሰር ይእክቡ ኣምበር፡ ነቶም ህዝቢ ኸም ቐደምኩም ንመስርሕ ጡብ ሓሰር ኣይትሀብዎም።
8
ቁጽሪ ጡብ ድማ ከምቲ ቐደም ዚገብርዎ ዝነብሩ ዝግብርዎም፡ ካብኡ እኵ ኣይተጉድሉ። ሃካያት እዮም እሞ፡ ስለዚ ንኣምላኽና ኽንስውእ ንኺድ፡ ኢሎም ይጠርዑ ኣለው።
9
ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ናብ ዘረባ ሓሶት ከየቕልቡ፡ ዕዮ ይኸበዶም፡ ንእኡ ድማ ይዕየዩ።
10
ሽዑ እቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ወጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ በልዎም፡ ፈርኦን ከምዚ ይብል፡ ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፡
11
ናብ እትረኽቡሉ ኼድኩም ባዕላትኩም ሓሰር ኣከቡ። ካብቲ ዕዮኹም ግና ገለ ኣይጉደል።
12
እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ክንዲ ሓሰር ብርዒ ኽእክብ፡ ናብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ፋሕ በለ።
13
እቶብ ሓለቑ ድማ፡ እቲ ነንመዓልቱ ምልኡ ኢሎም ሀወኽዎም።
14
ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል መዕየይቲ ኪኾኑ፡ ሓለቑ ፈርኦን ዝሸምዎም ድማ፡ እቲ እተመደበልኩም ዕዩ ጡብ ደኣ ትማልን ሎምንከ ኸምይ ከም ቀደምኩም ዘይመላእኩም፡ ኢሎም ገረፍዎም።
15
እቶም መዕየይቲ ደቂ እራኤል ከኣ ናብ ፈርኦን ከይዶም ጠርዑ፡ ስለምንታይ ንገላውኻ ኸምዚ ትገብረና ኣሎኻ፡
16
ንገላውኻ ሓሰር ኣይህቡን ጡብ ግበሩ ድማ ይብሉና። እንሆ ኸኣ፡ ገላውኻ እዩ፡ በሉ።
17
ንሱ ግና ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም፡ ሃካይት ኢኹም። ስለዚ፡ ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ንኺድ ትብሉ ኣሎኹም።
18
ሕጂ ድማ ኪዱ ዕየዩ። ሓሰር ኣይትወሀቡን፡ እቲ ምዱብ ቁጽሪ ጡብ ግና ክትህቡ ኢኹም።
19
ካብቲ ነናይ መዓልቲ ቑጽሪ ጡብ ኣይተጉድሉ፡ ምስ በልዎም፡ እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከም ዝገደዶም ረኣዩ።
20
ካብ ፈርኦን ኪወጹ ኸለው ድማ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ተጓነፍዎም፡ ንስቶም ኪረኽብዎም ደው ኢሎም ነበሩ።
21
በልዎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላውኡን ጨናና ኣኽፋእኩም፡ ንምቕታልና ኸኣ ሴፍ ኣብ ኢዶም ኣትሓዝኩምዎም። ስለዚ እግዚኣብሄር ይርኤኹም ይፍረድ ድማ።
22
ሙሴ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ ጐይታይ፡ ከምይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፋእካሉ፡ ስለምንታይከ ነዚ ለኣኽካኒ፡ ድማ በለ።
23
ካብታ ናብ ፈርኦን ከይደ ብስምካ እተዛርብካላ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፍኣሉ ንህዝብኻ ድማ ከቶ ኣየድሓንካዮን፡ ከኣ በለ።
← Chapter 4
Chapter 6 →