bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Exodus 24
Exodus 24
Amharic Tigrinya 2011
1
ንሙሴ ኸኣኣ፡ ንስኻን ኣሮንን ንዳብን ኣቢሁን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ዃንኩም ናብ እግዚኣብሄር ደይቡ። ኣብ ርሑቕ ዃንኩም ድማ ስገዱ።
2
ሙሴ ኸኣ ብበይኑ ናብ እግዚኣብሄር ይቕረብ፡ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ምስኡ ኣይደይቡ፡ በሎ።
3
ሙሴ ድማ መጺኡ ነቶም ህዝቢ ኹሉ ዘረባ እግዚኣብሄር ኩሉ ሕጋጋትን ነገሮም። ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ደሃይ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ኹሉ ቓላት ንገብር ኢሎም መለሱ።
4
ሙሴ ድማ ንኹሉ ቓል ኣግዚኣብሄር ጸሐፎ። ንጽብሒቱ ኸኣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን መሰውኢ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ድማ ዓሰርተው ክልተ ሓወልቲ ሰርሔ።
5
ካብ ደቂ እስራኤል ከኣ ኣጉባዝ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኺስውኡ፡ ካብ ዝራብዐት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኬቅርቡ፡ ሰደደ።
6
ሙሴ ድማ ፈረቓ እታ ደም ወሲዱ ኣብ ጭሔሎታት ገበሮ። ፈረቓ እቲ ደም ከኣ ናብ መሰውኢ ነጸጎ።
7
ነቲ መጽሓፍ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣነበቦ። ንእዘዝ ድማ በሉ።
8
ሙሴ ኸኣ ነቲ ደም ኪዳን እግዚኣብሄር ብኹለን እዘን ቓላት እዚኤን ምሳኻትኩም ዝገበሮ እንሆ በለ።
9
ሙሴን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ኾይኖም ደየቡ። ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረአይዎ። እቲ ትሕቲ እግሩ ድማ ብብሩህ ሰፈሮስ ከም እተገብረ ምድሪ ቤት ምጽራዩ ኸኣ ከም ሰማይ ነበረ።
10
ኢዱ ናብቶም ሕሩያት ደቂ እስራኤል ኣይዘርግሔን፡ ንሳቶምሲ ንኣምላኽ ደኣ ረአዩ፡ በልዑን ሰተዩን ከኣ።
11
ኢዱ ናብቶም ሕሩያት ደቂ እስራኤል ኣይዘርግሔን፡ ንሳቶምሲ ንኣምላኽ ደኣ ረአዩ፡ በልዑን ሰተዩን ከኣ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናባይ ኣብዚ ኸረን ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ጽናሕ ጽላት እምንን እቲ ኽትምህሮም ኢለ ዝጸሐፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ፡ በሎ።
13
ሙሴን እያሱን ግልያኡን ድማ ተንስኡ፡ ሙሴ ኸኣ ናብ ከረን ኣምላኽ ደየበ።
14
ነቶም ዓበይቲ ድማ፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፡ ኣብዚ ጽንሑና። እንሆ ኸኣ፡ ኣሮንን ሁርን ምሳኻትኩም ኣለው፡ ገነ ነገር ዘለዎ፡ ናባታቶም ይምጻእ፡ በሎም።
15
ሙሴ ድማ ነብ ከረን ደየበ፡ ነቲ ኸረን ደበና ኣጎልበቦ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ንሙሴ ኻብ ማእከል ኣቲ ደበና ጸውዖ።
16
ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኾይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ።
17
ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኾይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ።
18
ሙሴ ኸኣ ኸረንውን ደየበ። ሙሴ ኣብቲ ኸረን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገብረ።
← Chapter 23
Chapter 25 →