bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Exodus 11
Exodus 11
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ልዕሊ ፈራኦንን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕርቲ ኻብዚ ኽትወጹ ኺሓድጉኩም እየ። እቲ ኺሓድገኩም ከሎ ድማ ደፊኡ፡ ኪሰጎኩም እዩ።
2
እምበኣር ኣብ እዝኒ ህዝቢ ተዛረብ፡ ነፍስ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጎረቤቱ ነፍሲ ወከፍ ስበይቲ ድማ ካብ ጎረቤታ ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ውርቅን ይለምኑ፡ በሎ።
3
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ሀቦ። ሙሴ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ቅድሚ ገላው ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣዝዩ ዓብዩ ነበረ።
4
ሙሴ ድማ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ በለ፡ ኣነ ፍርቂ ለይሪ ኣቢለ ኣብ ማእከል ግብጺ ኽወጽእ እየ።
5
ኩሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ ኸኣ ካብ በኹሪ ኣቲ ኣብ ዝፋኑ ዝቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በኹሪ እታ ኣብ ምድሪ ምጥሓን ዘላ ግዝእቲ፡ ኹሉ በኹሪ እንስሳ ድማ ኪመውት እዩ።
6
ኣብ ኩላ ሀገር ግብጺ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ዘይኮነ መሊሱ ድማ ከምኡ ዝበለ ዝይከውን ዓብዩ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ።
7
እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤልን ከም ዚፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኩሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ ኣንስሳ፡ ከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን።
8
እዞም ገላውኻ ኹሎም ናባይ ኪወርዱ እዮም። ኣብ ቅድመይ ሰጊዶምለይ ድማ፡ ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ኹሉ ህዝብን ውጻእ፡ ኩብሉ እዮም። ድሕርዚ ኽወጽእ እየ፡ በለ። ካብ ፈርኦን ከኣ ብቑጥዓ ተናዲዱ ወጸ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺበዝሕን ፈርኦን ኣይሰምዓኩምን እዩ።
10
ሙሴን ኣሮንን ከኣ እዚ ኹሉ ተኣምራት እዚ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ንሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኣይሰደዶምን።
← Chapter 10
Chapter 12 →