bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ecclesiastes 6
Ecclesiastes 6
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎ፡ ንሰብ ኣዝዩ ዚኸብዶ መግደራ አሎ፡
2
ኣምላኽሲ ሃብትን መዝገብን ክብርን ንሰብ ሀቦ፡ ካብቲ ዝድለዮ ዘበለ ኸአ ነፍሱ ሓደ እኳ ኣይሰአነትን፡ ግናኸ ካልእ ሰብ ይበልዖ እምበር፡ ካብኡ ኺበልዕ ኣምላኽ አየሰልጠኖን። እዚ ኸንቱነትን ዝኸፍኤ መግደራን እዩ።
3
ሰብ ሚእትን ቖልዓ እንተ ዚወልድ፡ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዚነብር፡ መዓልትታት ዕድሚኡውን እንተ ዚበዝሕ፡ ነፍሱ ግና ብሰናይ እንተ ዘይጸገበት፡ መቓብርውን እንተ ዘይረኸበ፡ ካብኡስ ቁላዕ ይሐይሽ፡ እብል ኣሎኹ።
4
ብኸንቱነት ይመጽእ፡ ብጸልማትውን ይኸይድ እዩ እሞ፡ ስሙ ብጸልማት ይኸወል።
5
ንጸሓይ ኣይርእያን፡ ኣይፈልጣን፡ ካብትስ እዚ ዝበለጸ ዕረፍቲ ኣለዎ።
6
ክልተ ሽሕ ዓመት እኳ ብህይወት እንተ ዚነብር፡ ብገለ ሰናይ ባህ ካብ ዜብል፡ ኩሎምሲ ናብ ሓንቲ ቦታዶ ኣይኮኑን ዚኸዱ።
7
ሰብ ጻዕሩ ዘበለ ንኣፉ እዩ፡ ምስናይዚ ግና ዊንታኡ ኣይጸግብን።
8
ጥበበኛ ሓለፋ ዓሻ እንታይ ይጠቅም፡ ኣብ ቅድሚ ህያው ምኻድ ዚፈልጥ ድኻኸ እንታይ ይጠቅም፡
9
ካብ ብትምኒት ምቕብዝባዝሲ ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
10
ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደአ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየ፡ ሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን።
11

12

← Chapter 5
Chapter 7 →