bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Deuteronomy 34
Deuteronomy 34
Amharic Tigrinya 2011
1
ሙሴ ድማ ካብ ጎልጎል ሞኣብ ናብ ከረን ኔቦ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ጲስጋ ደየበ። ኣግዚኣብሄር ከአ ንብዘላ ሃገር ጊልኣድ ክሳድ ዳን ኣርኣዮ።
2
ብዘላ ንፍታሌምን ሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ብዘላ ምድሪ ይሁዳ ኸአ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ፡
3
እቲ ደቡብ ድማ፡ እቲ ጎልጎል ለሰ ያሪኮ፡ ከተማ ተምሪ፡ ክሳዕ ጾኣር ኣርእዮ።
4
እግዚኣብሄር ድማ፡ እታ ንኣብርሃምን፡ ንያስሃቅን፡ ንያእቆብን፡ ንዘርእኻ ኽህባ እየ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፡ እዚኣ እያ፡ ብዓይንኻ ኣርኤኹኻ፡ ናብኣ ግና ኣይተሳገርን በሎ።
5
ሙሴ ባርያእግዚኣብሄር ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብኣ ሞተ።
6
ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር ቤትጴኦር ኣብ ዘሎ ለሰ ቐበሮ። ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኸአ ንመቓብሩ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን።
7
ሙሴ ከመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፡ ኣዒንቱ ኣይሓመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን ነበረ።
8
ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ ኣብ ጎላጉል ሞኣብ ሰላሳ መዓልቲ በኸየሉ። ኣተን ንሙሴ ዝበኸየለን መዓልታት ሓዘኖም ብእኡ ተወድኣ።
9
ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፡ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘነብረሉ፡ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ከአ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገይሮም ተአዘዝዎ።
10
በቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦን፡ ኣብ ገላውኡን ኣብ ብዘላ ምድሩን ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብር፡ እግዚኣብሄር ዝለአኾ፡ በቲ ኹሉ ናብ ሓይሊ ኢድን በቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኹሎም እስራኤል ዝገብሮ ኹሉ ዓብዩ መፍርህ ነገርን ከምቲ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ዝፈለጦ ኸም ሙሴ ዝበለ ነብዩ፡ ድሕሪኡ ኣብ እስራኤል ኣይተንስኤን።
11

12

← Chapter 33