bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Deuteronomy 26
Deuteronomy 26
Amharic Tigrinya 2011
1
ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ወሪስካያ ኣብኣ ምስ ተቐመጥካ ድማ፡
2
ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድርኻ፡ ካብ መጀመርታ እቲ እተእትዎ ኹሉ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርካ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኺድ።
3
ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ኻህን ኣቲኻ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኺህበና፡ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ኸም ዝአቶኹ፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኤፍልጥ ኣሎኹ፡ ትብሎ።
4
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ከፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ የንብሮ።
5
ንስኻ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከምዚ ኢልካ ትመልስ፡ ኣቦይ ንምጥፋእ ዝቐረበ ኣራማዊ ነበረ፡ ናብ ግብጺ ኸአ ወረደ፡ ቁጽሩ ሒደት ከሎ ድማ፡ ስደተኛ ኮይኑ ኣብኣ ተቐመጠ፡ ኣብኣ ኸአ ዓብይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾነ።
6
ግብጻውያን ግና ክፉእ ገበሩና፡ ኣጥቅዑና፡ ብርቱዕ ዕዮ ድማ ጸዐኑና።
7
ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸአ ተማህለልና፡ እግዚኣብሄር ድማ ቃልና ሰሚዔ፡ ምጥቅዕናን ድኻምናን ምጽቃጥናን ከአ ረአየ።
8
እግዚኣብሄር ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ መፍርህን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ካብ ግብጺ ኣውጻእና።
9
ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸአ ኣእተወና፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ምድሪ ሀበና።
10
ሕጂ ኸአ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እንሆ መጀምርታ ፍረ ኣታ ዝሀብካኒ ምድሪ ኣምጺኤ ኣሎኹ፡ ኢልካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኻ ኣንብሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸአ ስገድ።
11
በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣኻን ንቤትካን ዝህበካ ኹሉ ጽቡቕ ነገር፡ ንስኻ፡ እቲ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዚነብር ስደተኛን ከአ፡ ክትሕጎስ ኢኻ።
12
በታ ሳልሰይቲ ዓመት፡ ዓመት ዕሽር፡ ዕሽር ኩሉ እቶትካ ኣውጺእካ ምስ ፈጸምካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ በሊዖም ኪጸግቡስ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀቦም።
13
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በል፡ ነቲ እተቐደሰ ኻብ ቤተይ ኣውጺኤ፡ ከምቲ ዝአዘዝካኒ ኹሉ ትእዛዝካ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀብኩ፡ ካብ ትእዛዛትካ ገለ እኳ ኣየፍረስኩን ኣይረሳዕኩንውን።
14
ኣብ ጓህየይ ካብኡ ኣይበላዕኩን፡ ንገለ ምውትውን ካብኡ ኣይሀብኩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ስማዕኩ፡ ብኹሉ ነገር ድማ ከምቲ ዝአዘዝካኒ ገበርኩ።
15
ካብቲ ቅዱስ ማሕደርካ፡ ካብ ሰማይ ጠምት እሞ፡ ንህዝብኻ እስራኤልን፡ ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፡ ንኣና ዝሀብካና ምድርን፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ባርኽ።
16
በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዚ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ ይእዝዘካ ኣሎ እሞ፡ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ሓልዎን ግበሮን።
17
እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ንስኻ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ ሓጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ክትሕሉ ቓሉውን ክትሰምዕ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ።
18
ንስኻ ኸአ ከምቲ ዝበለካ ብፍላይ ህዝቡ ኽትከውን፡ ኩሉ ትእዛዛቱን ድማ ክትሕሉ፡ ንውዳኤን ንስምን ንኽብርን ከአ ልዕሊ ኹሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ኪገብረካ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ።
19
ንስኻ ኸአ ከምቲ ዝበለካ ብፍላይ ህዝቡ ኽትከውን፡ ኩሉ ትእዛዛቱን ድማ ክትሕሉ፡ ንውዳኤን ንስምን ንኽብርን ከአ ልዕሊ ኹሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ኪገብረካ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ።
← Chapter 25
Chapter 27 →