bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Deuteronomy 23
Deuteronomy 23
Amharic Tigrinya 2011
1
ፍረ ነፍሱ እተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ እተሰልበ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
2
ድቓላ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብ ናቱ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
3
ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብኦም ዓስራይ ወለዶ እኳ ኽሳዕ ዘለኣለም ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
4
እዚ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣብ መገዲ እንጌራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፡ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ፡ ምእንቲ ኺረግመካ፡ ካብ ጴቶር ናይ ኣራምነሃራዩም ብዋጋ ስለ ዘምጽእዎ እዩ።
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘፍቀረካ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንበላዕላም ኪሰምዖ ኣይፈተወን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደአ መለሰልካ።
6
ምሉእ ዕድሜኻ ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለ።
7
ንኤዶማዊ፡ ሓውካ እዩ እሞ፡ ኣይትፈትፍኖ። ንግብጻዊ፡ ኣብ ሃገሩ ስደተኛ ኔርካ ኢኻ እሞ ኣይትፈንፍኖ።
8
ካብ ሳልሳይ ወለዶ እንተወልዱ ቖልዑኦም ናብ ማእሀብር እግዚኣብሄር ይእትው።
9
ንጸላእትኻ ኽትወግእ ወጺእካ ምስ እተሰፍር፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ተጠንቀቕ።
10
ኣባኻ ገለ ብለይቲ ብዝመጾ ነገር ዘይጽሩይ ሰብኣይ እንተሎ፡ ካብ ሰፈር ናብ ወጻኢ ይውጻእ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ኣይእቶ።
11
ይኸውን ድማ፡ ኣጋ ምሸት ማይ ይተሓጸብ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት ከአ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ።
12
ኣብ ወጻኢ ሰፈር እትወጸሉ ቦታ ይሀሉኻ።
13
ምስ መሳርያኻ ድማ ሓንኮሻ ሐዝ፡ ይኸውን ድማ ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጉድጓድ ክትኹዕት፡ ነቲ ውጽኣትካ ተመሊስካ ኽትከድኖ ኢኻ።
14
እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምእንቲ ኼድሕነካ ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ፡ ገለ ዜሕፍር ነገር ከይርእየልካ፡ ገጹ ኸአ ካባኻ ኸይመልስ፡ እቲ ሰፈርካ ቅዱስ ይኹን።
15
ካብ ጎይትኡ ሀዲሙ ንእተማዕቖበካ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ።
16
ምሳኻ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ዝሔሸቶ ኣብ ዝሐረያ ቦታ ይቀመጥ፡ ኣይተጥቅዓዮ ኸአ።
17
ካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝር ኣይኹን።
18
ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ዝኾነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ።
19
ሓረጣ ገንዘብ ኮነ፡ ሓረጣ እኽሊ ኾነ፡ ብዚሕረጥ ኩሉ ነገር ንሓውካ ኣይትሕርጥ።
20
ንጓና ደአ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ።
21
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከኾነካ ንምፍጻሙ ኣይትደንጉ።
22
እንተ ዘይተማጻባዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን።
23
እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮ፡ ኣፍካ እተዛረቦ ሓልዎን ግበሮን።
24
ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብጻይካ እንተ አቶኻ፡ ካብቲ ወይኒ ዊን ከም ዝበለካ፡ ክሳዕ እትጸግብ፡ ብላዕ፡ ናብ ኣቕሓኻ ግና ኣይትግበር።
25
ናብ ዘራእቲ ብጻይካ ምስ ኣቶኻ፡ ሰዊት ቢድካ ቕጸ፡ ማዕጺድ ግና ኣብ ዘራእቲ ብጻይካ እይተእቱ።
← Chapter 22
Chapter 24 →