bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Samuel 12
2 Samuel 12
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብኡ ኣትዩ በሎ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኣይ ነበሩ፡ እቲ ሓደ ሃብታም፡ እቲ ሓደ ድማ ድኻ።
2
እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣሓን ነበራኦ።
3
እቲ ድኻ ግኛ፡ ብጀካ ዝዐደጋ ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን፡ ገለ እኳ ኣይነበራኦን። ንሱ ኣዕበያ፡ ምስኡን ምስ ኣደቁን ከኣ ብሓደ ዐበየት፡ ካብ ቊራሱ ትበልዕ፡ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፡ ኣብ ሕቚፉ ድማ ትድቅስ፡ ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት።
4
እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ በዓል መገዲ ምስ መጾ ኸኣ፡ ነቲ ዝመጾ በዓል መገዲ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣሓኡን ወሲዱ ኸየዳልወሉስ፡ በቐቐን፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ ግና ነቲ ዝአተዎ ሰብኣይ ኣዳለወሉ።
5
ሽዑ ዂራ ዳዊት ኣብቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ነደደ፡ ንናታን ከኣ፡ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወዲ ሞት ኸም ዝዀነ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡
6
እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበረን፡ ድንጋጽውን ስለ ዘይነበሮን፡ ኣብ ክንዲ እታ ሽበን ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሐስ፡ በሎ።
7
ሽዑ ናታን ንዳዊት በሎ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኣነ ቐባእኩኻ፡ ካብ ኢድ ሳኦልውን ኣስሐንኩኻ።
8
ቤት ጐይታኻ ድማ ሀብኩኻ፡ እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ካልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።
9
ስለምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ እተራእየ ኽትገብርሲ፡ ቃሉ ዝነዐቕካ∶: ንኡርያ ሔታዊ ብሴፍ ቀቲልካስ፡ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሰድካያ። ንእኡ ግና ብሴፍ ደቂ ዓሞን ቀተልካዮ።
10
እምበኣርስኸ ስለ ዝነዐቕካኒ፡ ንሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፡ ሴፍፍ ካብ ቤትካ ንዘለኣለም ኣየግልስን።
11
እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ኣብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስኣልካ እየ፡ ነንስትኻ ኣብ ቅድሜኻ ወሲደ ንብጻይካ ኽህቦ እየ፡ ንሱ ኸኣ ምስተን ኣንስትኻ፡ ኣብ ቅድሚ እዛ ጸሓይ እዚኣ ኺድቅስ እዩ።
12
ንስኻ ብስውር ጌርካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣነ ግና ነዚ ነገር እዚ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ጸሓይን ክገብሮ እየ።
13
ሽዑ ዳዊት ንናታን፡ ንእግዚኣብሄር በደልኩ፡ በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፡ ኣይትመውትን ኢኻ።
14
ግናኸ በዚ ነገር እዚ ንጸላእቲ እግዚኣብሄር ኣዚኻ መላገጺ ስለ ዝሀብካዮም፡ እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ርግጽ ኪመውት፡ እዩ፡ በሎ።
15
ናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ። ነቲ ሰበይቲ ኡርያ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ ድማ እግዚኣብሄር ወቕዖ እሞ ኣዝዩ ተወጽዔ።
16
ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ ዳዊት ከኣ ጾም ጾመ፡ ኣትዩ ድማ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ሐደረ።
17
እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸኣ ካብ ምድሪ ኼተንስእዎ ኢሎም ቈሙ። ንሱ ግና ኣይፈተወን፡ እንጌራውን ምሳታቶም ኣይበልዔን።
18
ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ እቲ ሕጻን ሞተ፡ እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ተዛሪብናዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዔስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ፡ እቲ ሕጻን ሞይቱ፡ ክንብሎ ኢና፡ ገለ ኽፉእ ከይገብር ኢሎም እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሁ።
19
ዳዊት ግና እቶም ገላዉኡ ነሓድሕዶም ሕሹዂሹዂ ኪብሉ ምስ ረአየ፡ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኣስተውዐለ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ እቲ ሕጻንዶ ሞይቱ∶: በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሞይቱ፡ በሉ።
20
ሽዑ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ተሐጽበን ተለኽየን፡ ክዳውንቱ ድማ ለወጠ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ ድማ ሰገደ። ናብ ቤቱ መጺኡውን ዚብላዕ ደለየ፡ እንጌራ ድማ ኣቕረቡሉ እሞ በልዔ።
21
ሽዑ እቶም ገላዉኡ እዚ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ∶: እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ምእንታኡ ጾምካን በኼኻን፡ እቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና፡ ተንሲእካ እንጌራ በላዕካ፡ በልዎ።
22
ንሱ ኸኣ፡ መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሐረኒ፡ እቲ ሕጻን ድማ እንተ ሐወየ፡ ኢለ ነበርኩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሕጻን ገና ብሕይወቱ ኸሎ፡ ጾምኩን በኼኹን።
23
ሕጂ ኸኣ ንሱ ሞይቱ፡ ንምንታይ ኢለ እጸውም∶: ደጊምዶ ኽምልሶ ይከኣለኒ እዩ∶: ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ፡ በለ።
24
ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ባትሴባ ኣጸናንዓ፡ ናብኣ ኣትዩ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ወዲ ድማ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ።
25
ብነብዪ ናታን ልኢኹ ኸኣ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ ስሙ የዲድያ ሰመዮ።
26
ዮኣብ ድማ ንራባ ናይ ደቂ ዓሞን፡ ተዋግኣ፡ ነቲ ኸተማ ንጉስ ከኣ ወሰዳ።
27
ዮኣብ ድማ ናብ ዳዊት ልኡኽ ሰዲዱ፡ ንራባ ተዋጊኤያ፡ ነታ ኸተማ ማይውን ሒዘያ።
28
ሕጂ ኸኣ፡ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ፡ ስመይ ኣብኣ ኸይጽዋኦሲ፡ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣኪብካ ነዛ ኸተማ ኸበባ፡ ሀዛ ድማ፡ በሎ።
29
ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ህዝቢ ኣኽቲቱ ናብ ራባ ገስገሰ እሞ፡ ተዋጊኡ ሐዛ።
30
ንዘውዲ ንጉሶም ከኣ ካብ ርእሱ ወሰዶ፡ ሚዛኑ ድማ ሓደ መኽሊት ወርቂ ነበረ፡ ክቡር ኣዕናቚ ከኣ ነበሮ፡ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ገበርዎ። ካብታ ኸተማ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኤ።
31
ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢውን ኣውጺኡ ኣብ ትሕቲ መጋዛትን ሰረገላታትን ሓጺንን ምሳውርቲ ሓጺንን ገበሮም፡ ናብ ናይ ጡብ እቶን ከኣ ኣሕለፎም። ንዂለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ድማ ከምኡ ገበረ። ድሕርዚ ዳዊትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
← Chapter 11
Chapter 13 →