bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Corinthians 13
2 Corinthians 13
Amharic Tigrinya 2011
1
እዚ ምምጽኤይ ናባኻትኩም ሳልሳይ ጊዜ እዩ። ዘረባ ዘበለ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ዚቐውም።
2
ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዚዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ጊዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዂላቶምን ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር ኣሎኹ።
3
ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዚዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ጊዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዂላቶምን ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር ኣሎኹ።
4
ክርስቶስ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ህያው ኰይኑ ይነብር እዩ። ንሕናውን ኣብኡ ድኹማት ኢና፡ በቲ ኣባኻትኩም ዝዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ግና ምስኡ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።
5
ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ርእስኩም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም።
6
ንሕና ግና፡ መኸታ ዘየጽንዑ ኸም ዘይኰንና ኽትፈልጡ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
7
ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንልምን ኣሎና። ንሕና እኳ መኸታ ኸም ዘይነጽንዕ እንተ ዀንና፡ ምእንቲ ንስኻትኩም ሰናይ ክትገብሩ እምበር፡ ንሕና መኸታ ምእንቲ እነጽንዕ መሲልና ኽንርኤ ኣይኰንናን።
8
ንሕና ንሓቂ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ኽንገብር ኣይከኣለናን እዩ።
9
ንሕና እንተ ደኸምና፡ ንስኻትኩም እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ፡ እዚውን፡ ምሉኣት ክትኰኑ፡ ንጽሊ ኣሎና።
10
ምእንትዚ በቲ ንምህናጽ እምበር፡ ንምፍራስ ዘይኰነ፡ ጐይታ ዝሀበኒ ስልጣን ምስ መጻእኩ፡ ጨኪነ ኸየበርትዓልኩም፡ ርሑቕ ከሎኹ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ።
11
ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሐጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
12
ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኩም ኣለዉ።
13
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 12