bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Corinthians 10
2 Corinthians 10
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት፡ ምስ ረሐቕኩ ግና ኣባኻትኩም ዝተባዕ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም ኣሎኹ፡
2
ግናኸ ኣብቶም ንሕና ኸም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና ገሊኣቶም፡ በቲ ምሳኻትኩም ኰይነ ኽደፍሮም ኢለ ዝህቅኖ እሙንቶ ኽደፍር ግዲ ኸይኰነኒ እልምነኩም ኣሎኹ።
3
ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና።
4
ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡
5
ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠትን ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኲሉን እናፍረስና፡ ኲሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።
6
ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ዂሉ ኽንቀጽዖ ተዳሊና ኣሎና።
7
ንስኻትኩምሲ ኣብ ቅድሚ ገጽኩም ዘሎ ትጥምቱ፡ ሓደ እኳ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዚኸውን፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም ዘሎና፡ ከም ብሓድሽ የስተብህል።
8
በቲ ጐይታ ንምህናጽኩም እምበር፡ ንምፍራስኩም ዘይኰነ ዝሀበናስልጣን እኳ ኣብሊጸ እንተ ተመካሕኩ፡ ኣነ በዚ ኣይሐፍርን እየ።
9
ገለ ሰብ፡ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከሰምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
10
ገለ ሰብ፡ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከሰምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
11
እቲ ኸምዚ ዚብል፡ ከምቲ ኣብ ርሑቕ ከሎን ኣብቓል ደብዳቤታትና፡ ኣብኡ ኸሎናውን ብግብሪ ኸምኡ ምዃንና ይሕሰብ።
12
ምስቶም ገለ፡ ባዕላቶም ንርእሶም ዚንእዱ፡ ርእስና ኽንቈጽር ወይስ ከነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ግናኸ ንሳቶም ባዕላቶም ብነፍሶም ርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ብነፍሶምውን ንርእሶም ካብ ዜመዓራርዩስ፡ ኣእምሮ የብሎምን።
13
ንሕና ግና፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እነርክብ እኳ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀበና ደረት መለክዒ መስፈር እምበር፡ ብዘይ ልክዕ ኣይንምካሕን ኢና።
14
ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕናስ፡ ባዕላትና እምብዛ ኣይንማጣጠርን ኢና፡ ብወንጌል ክርስቶስሲ ኽሳዕ ናባኻትኩም እኳ በጺሕና ኣሎና።
15
ብጻማ ኻልኦት ብዘይ ዓቐን ኣይንምካሕን ኢና እሞ፡ እምነትኩም እናዐበየት ምስ ከደት ግና፡ ከም ዓቕምና ንምውሳኽ ኣባኻትኩም ከም እንዐቢ ተስፋና እዩ።
16
ኣብቲ ኻልኦት ዘዳለውዎ ሰበኻ ኣቲና ኸይንምካሕሲ፡ ኣብቲ ኽንዮውኩም ዘሎ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና።
17
እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ።
18
እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ።
← Chapter 9
Chapter 11 →