bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Chronicles 19
2 Chronicles 19
Amharic Tigrinya 2011
1
ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ግና ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።
2
እቲ ረኣዪ የሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኪራኸቦ ወጸ። ንንጉስ ዮሳፋጥ ድማ በሎ፡ ንረሲእዶ ኽትሕግዞ፡ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚጸልእዎኸ ኽትፈትዎም ኢኻ በዚ ነገር እዚ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኲራ ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
3
ግናኸ ካብዛ ሃገር እዚኣ ንኣስታርተታት ኣርሐቕካ፡ ንልብኻውን ናብ ምድላይ ኣምላኽ መሊስካዮ ኢኻ እሞ፡ ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ።
4
ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፡ መሊሱ ኸኣ ካብ ብኤር ሸባዕ ሒዙ ኽሳዕ ከረን ኤፍሬም ናብ መንጎ ህዝቢ ወጸ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከኣ መለሶም።
5
ኣብታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ኩለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ፡ ኣብ ከተማ ፈረድቲ ኣቐመጠ።
6
ነቶም ፈረድቲውን በሎም፡ ነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱ፡ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ።
7
እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን።
8
ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብናይ እግዚኣብሄር ፍርድን ኣብ ባእስን ኪፈርዱ፡ ካብ ሌዋውያንን ካህናትን ካብቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ፈረድቲ ሾመ። ናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ።
9
ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፡ ከምዚ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ብእምነትን ብፍጹም ልብን ዕየዩ።
10
ካብቶም ኣብ ከተማታቶም ዚነብሩ ኣሕዋትኩም ብዚመጸኩም ዘበለ ነገር ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፡ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን መዓት ከይመጽእ፡ ብናይ ደምን ደምን፡ ብናይ ሕግን ትእዛዝን ስርዓታትን ፍርድታትን ምዐድዎም። ከምኡ ግበሩ እሞ በደልቲ ኣይክትኰኑን ኢኹም።
11
እንሆ ድማ፡ በቲ ናይ እግዚኣብሄር ዘበለ ዂሉ ነገር እቲ ሊቀ ኻህናት ኣማርያ፡ በቲ ናይ ንጉስ ዘበለ ዂሉ ነገርውን እቲ መስፍን ቤት ይሁዳ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ኣብ ልዕሌኹም ኣለዉ። ጽኑዓት ኩኑ ግበርዎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ገባር ጽቡቕ ይኹን።
← Chapter 18
Chapter 20 →