bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Chronicles 17
2 Chronicles 17
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ። ንእስራኤልውን በርትዖም።
2
ኣብ ኲለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ ድማ ወትሃደራት፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሐዘን ከተማታት ኤፍሬምን ሓለውቲ ኣቐመጠ።
3
ዮሳፋጥ ድማ በተን ቀዳሞት መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ይኸይድ ነበረ፡ ነቶም በዓላት ከኣ ኣይደለዮምን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ።
4
ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ደለዮ፡ ብትእዛዛቱ ኸኣ ከደ እምበር፡ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይከደን።
5
ስለዚ እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኣጽንዓ፡ ብዘለዉ ይሁዳ ድማ ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ሀብዎ፡ ሃብትን ክብረትን ከኣ በዝሓሉ፡
6
ልቡ ብመገድታት እግዚኣብሄር ምስ ተብዔ፡ ነቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ከኣ ካብ ይሁዳ ኣርሐቖ።
7
ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ ንመኳንንቱ፡ ቤት ሓዪልን ዖባድያን ዘካርያስን ንታንኤልን ሚካያን ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኺምህሩ ሰደዶም።
8
ምሳታቶም ድማ ነቶም ሌዋውያን፡ ሸማዕያን ነታንያን ዘባድያን ዓሳሄልን ሸሚራሞትን ዮናታንን ኣዶንያን ጦብያን ጦብ ኣዶንያን፡ እቶም ሌዋውያን፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ካህናት፡ ኤሊሻማዕን ዮራምን፡ ሰደደ።
9
መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም ድማ ኣብ ይሁዳ መሀሩ፡ ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ዞይሮም ከኣ ነቲ ህዝቢ ይምህሩ ነበሩ።
10
ኣብ ልዕሊ ዂለን መንግስትታት ኣብተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኰነ እሞ፡ ምስ ዮሳፍጥ ኣይተዋግኡን።
11
ካብቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ገሊኦም ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ፡ ብሩርውን ገበሩሉ፡ ዓረባውያን ድማ ጤለ በጊዕ፡ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን ድዑል፡ ሾብዓተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ከኣ ምኩት ኣምጽኡሉ።
12
ዮሳፋጥ ከኣ ኣዝዩ ልዕል ክሳዕ ዚብል እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ከተማታት መዛግብትን ሰርሔ።
13
ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ብዙሕ ዕዮታት ነበሮ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ተዋጋእቲ ሰባት፡ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎ።
14
ቊጽሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከኣ እዚ እዩ፡ ናይ ይሁዳ ሓላቑ ኣሽሓት፡ ዓድና እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡
15
ድሕሪኡ ኸኣ ዮሓናን እቲ ሓለቓ፡ ምስኡውን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ፡
16
ድሕሪኡ ድማ እቲ ርእሱ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈየ ኣማስያ ወዲ ዚክሪ፡ ምስኡ ኸኣ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡
17
ካብ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤልያዳዕ፡ ምስኡውን ቀስትን ዋልታን ዝሐዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ፡
18
ድሕሪኡ ድማ ዮዛባድ፡ ምስኡ ኸኣ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ንውግእ እተዳለዉ፡
19
ብዘይ እቶም እቲ ንጉስ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ኣብ ብዘላ ይሁዳ ዘቐመጦም፡ ነቲ ንጉስ ዜገልግልዎ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም።
← Chapter 16
Chapter 18 →