bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Thessalonians 3
1 Thessalonians 3
Amharic Tigrinya 2011
1
ስለዚ ኻብኡ ንነጀው ክንዕገስ ስለ ዘይተኻእለና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእየና።
2
በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ዜህድኣኩም ለኣኽናዮ።
3
በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ዜህድኣኩም ለኣኽናዮ።
4
እምብኣርከ ምሳኻትኩም ከሎና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸናስ፡ ቅድም ነጊርናኩም፡ ከምቲ እትፈልጥዎውን፡ ከምኡ ዀነ።
5
ስለዚ ኣነ ድማ ካብኡ ንነጀው ክዕገስ ምኽኣል ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ እቲ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝለኣኽክዎ።
6
ሕጂ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባይ መጺኡ፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከም እትዝክሩና፡ ብናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ምስ ኣበሰረና፡
7
ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላ እምነትኩም ኣብ ኲሉ ጸበባናን መከራናን ብዛዕባኹም ተጸናናዕና።
8
ብጐይታ እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ንሕና ደጊም ብህይወት ንነብር ኣሎና።
9
ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን መጠን ዜብሉ እናጸሌና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዂሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ።
10
ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን መጠን ዜብሉ እናጸሌና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዂሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ።
11
ግናኸ እግዚኣብሄር ኣቦና ባዕሉን ጐይታና የሱስ መገድና ናባኻትኩም የቕንዕ።
12
በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኲሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን።
13
በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኲሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን።
← Chapter 2
Chapter 4 →