bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Samuel 27
1 Samuel 27
Amharic Tigrinya 2011
1
ዳዊት ድማ ብልቡ፡ ሕጂ ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፡ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምህዳም ዚሐይሽ የብለይን፡ ሽዑ ሳኦል እቲ ኣብ ብዘሎ ዶባት ምድሪ እስራኤል ምድላየይ ይሐድግ እሞ፡ ካብ ኢዱ እድሕን፡ በለ።
2
ዳዊት ድማ ተንሲኡ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብን፡ ናብ ኣኪሽ፡ ወዲ ማዖክ ንጉስ ጋት፡ ተሳገረ።
3
ዳዊትን ሰቡን ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ፡ ዳዊትውን ምስ ክልቲኤን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል፡ ብዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባልን፡ ምስ ኣኪሽ ኣብ ጋት ተቐመጡ።
4
ሳኦል ድማ፡ ዳዊት ናብ ጋት ከም ዝሀደመ ምስ ነገርዎ፡ መሊሱ ኣይደለዮን።
5
ዳዊት ከኣ ንኣኪሽ፡ ስለምንታይ ጊልያኻ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዚቕመጥ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ኣነ ኣብኣ ክቕመጥ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኸተማታት ቦታ ይወሀበኒ፡ በሎ።
6
ኣኪሽ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ጺቅላግ ሀቦ። ስለዚ ጺቅላግ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ንነገስታት ይሁዳ ዀነት።
7
ቊጽሪ እተን ዳዊት ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠለን መዓልትታት ከኣ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ኰነ።
8
ዳዊትን ሰቡን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኻብቲ ንሹር እተእቱ ኽሳዕ ምድሪ ግብጺ ዘላ ሃገር ተቐሚጦም ነበሩ።
9
ዳዊት ከኣ ነታ ሃገር ኣጥፍኣ፡ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ዀነት ድማ ብህይወት ኣይሐደገን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ግና ወሰደ፡ መሊሱ ድማ ናብ ኣኪሽ መጸ።
10
ኣኪሽ ከኣ፡ ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም በለ። ዳዊት ድማ፡ ኣብ ደቡብ ይሁዳን ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያንን ኣብ ደቡብ ቄናውያንን፡ በለ።
11
ዳዊት ከምዚ ገበረ፡ በቲ ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠሉ ዂሉ ጊዜ ድማ ልማዱ ኸምዚ ነበረ፡ ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፡ ዳዊት ናብ ጋት ኣየምጽኦምን፡ ንሰብኣይ ኰነ ንሰበይቲ ዀነትውን ብህይወት ኣይሐደጎምን።
12
ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ ኣብ ህዝቡ እስራኤል ኣዝዩ ተጸሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ጊልያይ ኪዀነኒ እዩ፡ ኢሉ ኣመኖ።
← Chapter 26
Chapter 28 →