bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Samuel 21
1 Samuel 21
Amharic Tigrinya 2011
1
ዳዊት ድማ ናብቲ ኻህን ኣሂሜሌክ ናብ ኖብ መጸ። ኣሂሜሌክ ከኣ ራዕራዕ እናበለ ንዳዊት ኪቃባበሎ መጸ፡ ከምዚ ኢሉውን ጠየቆ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሰብ ዜብልካ በይንኻ በሎ።
2
ዳዊት ድማ ንኻህን ኣሂሜሌክ፡ ንጉስ፡ እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ፡ ኢሉ ኣዚዙኒ እዩ እሞ ነቶም ኣጒባዝ ናብ ከምዝን ከምዝን ዝበለ ቦታ ኣመልከትክዎም።
3
ሕጂ ኸኣ ኢድካ ኣብ እንታይ ኣሎ ሓሙሽተ እንጌራ ወይስ እተረኽበ ኣብ ኢደይ ሀበኒ፡ በሎ።
4
እቲ ኻህን ድማ ንዳዊት፡ ማንም ዚበልዖ እንጌራ ኣብ ኢደይ የልቦን፡ እቶም ኣጒባዝ ካብ ኣንስቲ እንተ ተሐልዮም ግና፡ ቅዱስ እንጌራ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሉ።
5
ዳዊት ከኣ ነቲ ኻህን፡ ብሓቂ ኣንስትስ ካብ ትማሊን ቅድሚ ትማልን ካባና ፍሉያት እየን፡ ኣቓሑ እቶም ኣጒባዝ ድማ በታ ዝወጻኡኩላ ጊዜ ቅዱስ ነበረ፡ እታ መገዲ እኳ ዝይቅድስቲ እንተ ዀነት፡ ሎምስ በቲ ኣቓሑ ትቕደስ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ።
6
እቲ ኻህን ከኣ፡ ብዘይ እት ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተላዕለ እንጌራ ምርኣይ፡ በታ እተላዕለላ መዓልቲ ውዑይ እንጌራ ምእንቲ ኼንብሩ፡ ኣብኡ ኻልእ እንጌራ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ቅዱስ እንጌራ ሀቦ።
7
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ካብ ገላው ሳኦል ዶኤግ ዝስሙ ኤዶማዊ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሂሕሎ ኣብኡ ነበረ፡ ንሱ ሓለቓ ጓሶት ሳኦል ነበረ።
8
ዳዊት ድማ ንኣሂሜሌክ፡ እቲ ናይ ንጉስ ነገር ስለ ዝሀወኸ፡ ሴፈይን ኣጽዋረይን ኣይተማላእኩን እሞ፡ ገለ ዂናት ወይ ሴፍ ኣብዚ ኣብ ኢድካዶ የልቦን በሎ።
9
እቲ ኻህን ድማ፡ ሴፍ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ድዋ ዝቐተልካዮ ጐልያድ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ፡ እንሆ፡ ንሱ ብዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፎድ፡ ኣብኡ ኣሎ፡ ኣብዚ ብጀካኡ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ክትወስዶ እንተ ደሌኻስ፡ ውሰዶ፡ በለ። ዳዊት ከኣ፡ ከምኡ ዝበለ የልቦን፡ ሀበኒ፡ በለ።
10
ዳዊት ድማ ተንሲኡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሀዲሙ፡ ናብ ኣኪሽ ንጉስ ጋት መጸ።
11
ንኣኪሽ ከኣ እቶም ገላውኡ፡ እዝስ ዳዊት፡ ንጉስ እታ ሃገር ደይኰነን እቲ፡ ሳኦል ሽሒ፡ ዳዊት ከኣ እልፉ ቐተለ፡ ኢለን እናሳዕስዓ ዝደረፋሉ፡ እዚ ደይኰነንበልዎ።
12
ዳዊት ድማ ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፡ ንኣኪሽ ንጉስ ጋት ከኣ ኣዝዩ ፈርሆ።
13
ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ህልዋቱ ለወጠ፡ ኣብ ኢዶም ድማ ከም ዕቡድ ኰነ፡ ንመዓጹ እቲ ደገውን ሐንፈጦ፡ ልዛዩ ኸኣ ብጭሕሙ ጀበብ ይብል ነበረ።
14
ሽዑ ኣኪሽ ንገላውኡ፡ እንሆ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ዕቡድ ምዃኑ ትርእይዎ ኣሎኹም፡ ስለምንታይ ናባይ ኣምጻእኩምዎ
15
ኣብ ቅድመይ ኪዐብድ ዘምጻእኩምለይሲ፡ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ እዚዶ ናብ ቤተይ ይኣቱ በሎም።
← Chapter 20
Chapter 22 →