bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Kings 19
1 Kings 19
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣከኣብ ድማ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዂሉን ንዂሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራ።
2
ሽዑ ኤዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፡ ንኤልያስ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓድ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስ፡ ኣምልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ፡ በለቶ።
3
ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ረኣየ፡ ነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ብኤርሸባዕ ናይ ይሁዳ መጸ፡ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሐደጎ።
4
ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለ፡ ሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይኣኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ፡ በለ።
5
ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቕኒቑ፡ ተንስእ እሞ ብላዕ፡ በሎ።
6
እንተ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ርሱን እኒ እተሰንከተ ቕጫን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ።
7
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑ፡ ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕ፡ በሎ።
8
ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ።
9
ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡውን ሐደረ። እንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ በሎ።
10
ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ ኣለኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ነንፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፡ በለ።
11
ንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን።
12
ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓቂ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡ ድሕድሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ።
13
ኰነ ድማ፡ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡ። ኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ በሎ።
14
ንሱ ኸኣ ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም፡ ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፡ በለ።
15
እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡ ኣብኣ ምስ መጻእካ ድማ፡ ንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮ።
16
ንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ብዓል ኣቤልሚሆላ ድማ ኣብ ክንዳእካ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ።
17
ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ ሃዛኤል ዝመለቘ፡ የሁ ኪቐትሎ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ የሁ ዝመለቘ ድማ፡ ኤልሳእ ኪቐትሎ እዩ።
18
ኣነ ግና ንበዓል ዘይተንበርከኻሉ ዂለን ኣብራኽን፡ ዘይሰዐሞ ዂሉ ኣፍን ኣብ እስራኤል ሾብዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ከትርፍ እየ፡ በለ።
19
ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ንሱ ቐቅድሚኡ ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኽቦ፡ ንሱ ኸኣ ምስቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ እዩ ዝነበር። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ።
20
ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሐዲጉ፡ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ በጃኻ፡ ነቦይን ነደይን ስዒመስ፡ ድሕሪኡ ኽስዕበካ፡ ፍቐደለይ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ገይረካ እየ ኪድ ተመለስ፡ በሎ።
21
ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ተመሊሱ ኸኣ፡ ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሐረዶም፡ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ ናውቲ እቶም ኣብዑር ኣብሲሉ፡ ነቶም ህዝቢ ሀቦም፡በልዑውን። ተንሲኡ ደድሕሪ ኤልያስ ከይዱ ኸኣ የገልግሎ ነበረ።
← Chapter 18
Chapter 20 →