bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Chronicles 24
1 Chronicles 24
Amharic Tigrinya 2011
1
ክፍልታት ደቂ ኣሮን ድማ እዚኣቶም ነበሩ፡ ደቂ ኣሮን ናዳብን ኣቢሁን ኤልኣዛርን ኢታማርን እዮም።
2
ናዳብን ኣቢሁን ግና ቅድሚ ኣቦኦም ሞቱ፡ ኣወዳት ከኣ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኤልኣዛርን ኢታማርን ካህናት ኰ ኑ።
3
ዳዊት ድማ ምስ ጻዶቅ ካብ ደቂ ኤልኣዛርን ምስ ኣሒሜሌክ ካብ ደቂ ኢታማርን ኰይኑ፡ ከምቲ እተሰርዓሎም ኣገልግሎቶም መቐሎም።
4
ኣብ ደቂ ኤልኣዛር ከኣ ካብ ደቂ ኢታማር ዚበዝሑ ዋናታት ተረኽቡ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተመቕሉ፡ ካብ ደቂ ኤልኣዛር ዓሰርተው ሹድሽተ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ኰኑ፡ ካብ ደቂ ኢታማር ከኣ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሾሞንተ ዋናታት ኰኑ።
5
ካብ ደቂ ኤልኣዛር ኰነ፡ ካብ ደቂ ኢታማር ኰነ ሹማምቲ መቕደስን ሹማምቲ ኣምላኽን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እዚኣቶም ምስ እቲ እቶም ብዕጭ ተመቕሉ።
6
እቲ ጸሓፊ፡ ሸማዕያ ወዲ ንታንኤል፡ ካብ ነገድ ሌዊ፡ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹማምትን ካህን ጻዶቅን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣብያታርን፡ ኣብ ቅድሚ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን ጸሐፎም። ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ንኤልኣዛር፡ ሓደ ኸኣ ንኢታማር ተወስደ።
7
እሞ እቲ ቐዳማይ ዕጭ ንዮያሪብ፡ እቲ ኻልኣይ ንየዳያ ወጸ፡
8
እቲ ሳልሳይ ንሓሪም፡ እቲ ራብዓይ ንስዖሪም፡
9
እቲ ሓምሳይ ንማልኪያ፡ እቲ ሳድሳይ ንሚያሚን፡
10
እቲ ሳብዓይ ንሃቆጽ፡ እቲ ሳምናይ ንኣቢ፡
11
እቲ ታስዓይ ንየሹዓ፡ እቲ ዓስራይ ንሸካንያ፡
12
መበል ዓሰርተው ሓደ ንኤልያሺብ፡ መበል ዓሰርተው ክልተ ንያቂም፡
13
መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንሑጳ፡ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንየሸብኣብ፡
14
መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንቢልጋ፡ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንኢመር፡
15
መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንሔዚር፡ መበል ዓሰርተው ሾምንተ ንሃጲጸድ፡
16
መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንጳታሕያ፡ መበል ዕስራ ንይሔዝቅኤል፡
17
መበል ዕስራን ሓደን ንያኪን፡ መበል ዕስራን ክልተን ንጋሙል፡
18
መበል ዕስራን ሰለስተን ንደላያ፡ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንማዓዝያ።
19
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኢድ ኣቦኦም ኣሮን ዝሀቦ ስርዓት ንእኡውን ዝኣዘዞ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኪኣትውስ ስርዓት ኣገልግሎቶም እዚ እዩ።
20
ናይቶም ዝተረፉ ደቂ ሌዊ ኸኣ፡ ናይ ደቂ ዓምራም ሹባኤል፡ ናይ ደቂ ሹባኤል የሕደያ፡
21
ናይ ረሓብያ፡ ናይ ደቂ ረሓብያ ዪሺያ እቲ ዋና።
22
ናይ ይጽሓራውያን፡ ሸሎሞት፡ ናይ ደቂ ሸሎሞት ያሓት።
23
ደቂ ሔብሮን ድማ፡ የሪያ እቲ ዋና፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤል እቲ ሳልሳይ፡ የቃምዓም እቲ ራብዓይ።
24
ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ፡ ናይ ደቂ ሚካ ሻሚር።
25
ሓው ሚካ፡ ዪሺያ ዘካርያስ።
26
ደቂ መራሪ ማሕሊን ሙሺን እዮም፡ ደቂ ያዓዚያ፡ ቤኖ።
27
ደቂ መራሪ ናይ ያዓዚያ፡ ቤኖን ሸሃምን ዛኩርን ዒብሪን።
28
ናይ ማሕሊ፡ ኤልኣዛር፡ ንሱ ድማ ደቂ ኣይነበርዎን።
29
ናይ ቂስ፡ ደቂ ቂስ የራሕምኤል።
30
ደቂ ሙሺ ኸኣ፡ ማሕሊን ዔደርን የሪሞትን። እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደቂ ሌዋውያን እዮም።
31
እዚኣቶም ድማ ከምቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ጻዶቅን ኣሒሜሌክን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን፡ እቶም ኣውራታት ማይ ቤት ኣቦታት ምስቶም ናእሽቱ ኣሕዋቶም ማዕረ፡ ዕጭ ተዋደቑ።
← Chapter 23
Chapter 25 →