bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Chronicles 14
1 Chronicles 14
Amharic Tigrinya 2011
1
ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ኪሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ።
2
ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፡ ነታ መንግስቱ እምብዛ ልዕል ኣቢሉሉ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ ኣስተውዐለ።
3
ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ የሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ወሰደ እሞ፡ ዳዊት ወሲኹ ኣወዳትን ኣዋልድ ወለደ።
4
እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ደቂ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎምንን፡
5
ይብሓርን ኤሊሹዓን ኤልፈለጥን፡
6
ኖጋን ኔፈግን ያፊዓን፡
7
ኤሊሻማን በዒልያዳን ኤሊፈለጥን።
8
ፍልስጥኤማውያን ከኣ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ከም እተቐብኤ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዖ፡ ናብ ቅድሚኦም ወጸ።
9
እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ ለሰ ረፋይም ኣትዮም፡ ኣብኡ ይወርሩ ነበሩ።
10
ዳዊት ድማ ንኣምላኽ፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቦም፡ በሎ።
11
ናብ በዓልጰራጺም ደየቡ፡ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ሰዐሮም። ዳዊት ድማ፡ ማይ ከም ዚብተን፡ ኣምላኽ ንጸላእተይ ብኢደይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓልጰራጺም ኣውጽኡላ።
12
ኣብኣ ድማ ንኣማልኽቶም ሐደጉ፡ ዳዊት ኣዚዙ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዎም።
13
እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ወረሩ።
14
ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ሐተቶ፡ ኣምላኽ ከኣ መለሰሉ፡ ብድሕሪኦም ኣይትደይብ፡ ካባታቶም ደኣ ዙር እሞ ኣብ መንጽር እቲ ሰጋሉ እተዎም።
15
ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ ኣራእስ ስጋሉ ናይ ዚረግጽ ደሃይ ምስ ሰማዕካ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖ ቐቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንውግእ ውጻእ።
16
ዳዊት ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፡ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ጊብዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዐርዎም።
17
ወረ ዳዊት ከኣ ኣብ ኲለን ሃገራት ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባኡ ፍርሃት ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ገበሮ።
← Chapter 13
Chapter 15 →