bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic (Tigrigna: Contemporary Tigrinya Bible 2024)
/
Psalms 43
Psalms 43
Amharic (Tigrigna: Contemporary Tigrinya Bible 2024)
1
ኦ ኣምላኽ፡ ፍረደኒ፡ ንጉዳየይ ድማ ኣብ ልዕሊ እኩይ ህዝቢ ተኸላኸለለይ። ካብቲ መታለልን ዘይፍትሓውን ሰብ ኣናግፈኒ።
2
ንስኻ ኣምላኽ ሓይለይ ኢኻ እሞ፤ ስለምንታይ ትነጽገኒ? ስለምንታይ ብጭቆና ጸላኢ ክሓዝን?
3
ብርሃንካን ሓቅኻን ስደድ፤ ንሳቶም ይመርሑኒ፤ ናብ ቅዱስ ከረንካን ናብ ድንኳናትካን የብጽሑኒ።
4
ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ ክኸይድ እየ፣ ናብ ኣምላኽ ዓብዪ ሓጐሰይ። እወ ኣብ ዚተር ከመስግነካ እየ ኦ ኣምላኽ ኣምላኸይ።
5
ኣቲ ነፍሰይ ስለምንታይ ተደርበኻ፧ ስለምንታይከ ኣባይ ትሽገር፧ ነቲ ጥዕና ገጸይን ኣምላኸይን ዝኾነ ገና ከመስግኖ እየ እሞ፡ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ግበር።
← Chapter 42
Chapter 44 →