bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Song of Solomon 4
Song of Solomon 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቲ ፍቕርተይ ክንደይ ትፅብቒ! ከመይ ዝበልኪ ቘንጆኸ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ፥ ከም ርግቢታት እየን፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም እተን ካብ እምባ ገለዓድ ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።
2
ኣስናንኪ፥ ካብ ምሕፃብ ወፂአን ከም ዝተቐረፃ፥ ኵለን መማንታ ኸም ዝወልዳ፥ ካብኣተን ከዓ መኻን ከም ዘይብለን መጓሰ እየን።
3
ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እየን፤ ኣፍኪ ድማ ፅቡቕ እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ዘሎ መታልሕኺ፥ ከም ምቃል ሮማን እዩ።
4
ክሳድኪ ኸም ንመቐመጢ ኣፅዋር ብፅቡቕ ዝተሰርሐ፥ ከም ግንቢ ዳዊት እዩ፤ ሽሕ ዋልታ ኣፅዋር ጀጋኑ፥ ተንጠልጢልዎ እዩ።
5
ክልቲአን ኣጥባትኪ፥ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ ከም ዝወፈራ፥ ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን።
6
መዓልቲ ኽሳዕ ዝደግስ፥ ፅላሎት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣነ ናብ እምባ ኸርበን፥ ናብ ኰረብታ ዕጣንን ክድይብ እየ።
7
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤ ኣበርውን የብልክን።
8
ኣቲ መርዓተይ፥ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፤ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፤ ካብ ርእሲ እምባ ኣርሞንዔም፥ ካብ ርእሲ እምባ ሳኔርን ኤርሞንን፥ ካብ መሕደሪ ኣናብስን፥ ካብ እምባ ነብርታትን ተመልከቲ።
9
ኣቲ ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ልበይ ብሓጐስ ማረኽክዮ፤ ብቘላሕታኽን ብድሪ ኽሳድክን ንልበይ ማረኽክዮ።
10
ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርኺ ኽንደይ ሰናይ እዩ። መርዓተይ፥ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ የርዊ፤ መዓዛ ቕብእኽውን ካብ ኵሉ ሽቱ ይምዕዝ!
11
መርዓተይ፥ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፤ መዓርን ፀባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ ኣሎ፤ መዓዛ ኽዳውንትኽውን ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ።
12
ኣቲ ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ዝተሓፀረ ገነት፥ ዕፅውቲ ዒላ፥ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።
13
በቝልኺ ሮማንን፥ ምሩፅ ፍረን፥ ሒናን ናርዶስን ዘለዎ ገነት እዩ።
14
ናርዶስ ሳፍራንን፥ ምዑዝ ሳዕርን ቅርፍትን፥ ምስኡውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣን፥ ከርበን ዓልወን ኵሉ ብሉፅ ቀመማትን ዘለዋ እያ።
15
ንስኺ ኣታኽልቲ ኸም እተስቲ ዓይኒ ማይ፥ ዒላ ህይወት፥ ካብ ሊባኖስ ዝውሕዝ ሩባ ኢኺ።
16
ንፋስ ሰሜን፥ ተስእ፤ ንፋስ ደቡብውን ነዓ፤ ምዑዝ ሽቱ ምእንቲ ኽመልኦ፥ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈስ፤ ሽቱውን ይፍሰስ፤ ፍቱወይ ናብ ገነቱ ይእቶ፤ ጥዑም ፍረታቱ ኸዓ ይብላዕ።
← Chapter 3
Chapter 5 →